ሰራዊት ሱዳን ብዝፈጸሞ ደብዳብ ነፈርቲ ብውሕዱ 10 ዜጋታት ኮንጎ ተቐቲሎም

Radio Erena: Thursday 08 June 2023

ኣብ ሱዳን፣ ናብ ካልኣይ ወርሑ ዝተቓረበ ግጭት፣ ገና ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሰራዊት መንግስቲ ብዘካየዶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ብውሕዱ 10 ዜጋታት ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ከምዝተቀትሉ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮንጎ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፡ ኣብቲ ብሰንበት 04 ሰነ፣ ኣብ ካርቱም፣ ቀጽሪ ኣህጉራዊ ዩንቨርሲቲ ኣፍሪቃ ብዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ’ዮም እቶም ዜጋታት ሃገሩ ተቐቲሎም።

‘ሰራዊት መንግስቲ ናይ ወጻኢ ሃገራት ተመሃሮ ናብ ዝርከብሉ ከባቢ ደብዳብ ምፍጻሙ’ዩ ኣሕዚኑና’ ዝበለ እቲ ሚንስተር፡ እቶም ዝተቐትሉ ተመሃሪ እቲ ዩንቨርስቲ ብዛዕባ ምንባሮም ግና ኣየነጸረን።

ሓላፊ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብወገኑ፡ 10 ስደተኛታት ኣብ ከተማ ካርቱም ከም ዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ዛጊት 25 ዜጋታት ወጻኢ ሃገር ዝርከብዎም ልዕሊ 750 ሰባት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ መንጎ ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ሱዳን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ምቑራጽ ቆዅሲ፣ ዳግም ኣብ ጂዳ ከምዝጀመረ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ካርቱምን ከባቢኣን ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢታት ዳርፉር ግጭታት ይቕጽል ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ይሕብራ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0