ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል ንሸሞንተ መጋቢት ብፍሉይ ጸንቢለን

ኤርትራውያን ደቂንስትዮ ኣብ እስራኤል ንሸሞንተ መጋቢት ብፍሉይ ጸንቢለን

Radio Erena: 12 March 2019

ኣብ እስራኤል ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂንስትዮ፣ ንሸሞንተ መጋቢት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂንስትዮ ብፍሉይ ዘኪረን።

እቲ ብቀዳም ዕለት 9 መጋቢት፣ ዝተኻየደ፣ ጽምብል ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ፣ ብምትሕብባር ማእከል ደቂኣንስትዮ ኤርትራ፣ ማእከል ምዕባለ ስደተኛታት ኣፍሪቃ (ARDC)ን ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ደቡባዊ ተል ኣቪቭ ምክያዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብቲ “ብማዕረ ንሕሰብ” ዝብል ዓቢ ቴማ ዝተኻየደ ጽምብል፣ ደቂኣንስትዮ ኣብ ስደት ገጢምወን ዘሎ ድርብራብ ወጽዓታት ተጻዊረን ዘሕልፍኦ ንዘለዋ ናብራ ዘዘንቱን ካልእን ናይ ምዝንጋዕ መደባት ቀሪቡ።

ነቲ ጽምብል፣ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ማሕበረሰባትን እስራኤል እኳ እንተተሳተፍዎ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም ውሑዳት ግና፣ ንተሳተፍቲ መርዛም ፍሊት ብምንጻግ፣ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ቆልዑን ደቂንስትዮን ጉድኣት ብምውራድ ነቲ ጽምብል ንምዝራጉ ከምዝሓለኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0