ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጋገር ዘሎ ብዝሒ ናቕፋ የሻቕል

ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጋገር ዘሎ ብዝሒ ናቕፋ የሻቕል

Radio Erena: 12 March 2019

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ሕጋዊ መልክዕ ብዘይምሓዙ፣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጋገር ዘሎ ብዝሒ ናቕፋ ሻቕሎት ይፈጥር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብመንገዲ ኤሪፖርት ንዝወጹ ነጋዶን ካልኦት ገያሾን፣ ካብ 1 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ሒዞም ከይወጹ ጽኑዕ ቁጽጽር ክግበረሉ እንከሎ፣ ብመንገዲ ሑመራ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ግና ናብ ዓዶም ሒዞሞ ንዝምለሱ ዘለዉ ብዝሒ ናቕፋ ቁጽጽር ኣይግበረሉን’ዩ ዘሎ።

እዚ ድማ ነቲ ድሮ ኣብ ዕዳጋታት ኤርትራ ውሒዱ ዘሎ ዑደት ባጤራ ናቕፋ፣ መሊሱ ከየውሕዶ ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ነጋዶ፣ ኣብ ከባቢ ዶባት ኢትዮጵያ፣ ንብር ከም ናይ ኣማራጺ ባጤራ ይጥቀሙሉ ከምዘለዉ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣብ ኤርትራ፣ ልዕሊ 5 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ምንቅስቓስ ከምዘይክኣል ዝኽልክል ኣዋጅ እኳ እንተሎ፣ እዚ ኣዋጅ እዚ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ ኣይጸልዎምን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኢትዮጵያውያን ነጋዶ ካብ ኤርትራ ሒዞሞ ንዝወጽኡ ብዝሒ ናቕፋ፣ ኣብ ባንክታት ኢትዮጵያ ይኹን ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ኢትዮጵያ ከምድላዮም’ዮም ዘሽርፍዎ።

በንጻር’ዚ፣ ብር ኢትዮጵያ ንዝሓዙ ኤርትራውያን ይኹን ኢትዮጵያን ነጋዶ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ናብ ናቕፋ ክልውጥዎ ከምዘይክእሉ ይፍለጥ።

እዚ ሕጋዊ መልክዕ ዘይሓዘ፣ ብሑመራ ዝካየድ ዘሎ ንግዲ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ኤርትራውያን ፈጢርዎ ዘሎ ሻቕሎት፣ ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ሃስያ ከየምጽእ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ብዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመላለሱ ነጋዶ፣ ዝተተምየነ ባጤራታት ዝተፈላለያ ሃገራት የዘዋውሩ ከምዘለዉ ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ይግለጽ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0