ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ይበጽሕ

ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ይበጽሕ

Radio Erena: 12 March 2019

Macron

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናብ ጅቡቲን ኢትዮጵያን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ብሰኑይ 11 ለካቲት ናብ ጅቡቲ ዝበጽሐ ፕረዚደንት ማክሮን ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ብምርኻብ ኣብ ታሪኻዊ ምትእስሳር ክልትኤን ሃገራትን ህሉው ዝምድንአንን ብዝምልከት ዘትዮም።

ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ጅቡቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ጠመትኣ ናብ ቻይና ዛዝዩ ኣሎ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለወን ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብታ ሃገር ዝጸንሐን ጽልዋ ከይሃስስ ሓድሽ መደባት ሓንጺዘን ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

ዑደት ፕረዚደንት ማክሮን ናብዛ ሃገር’ውን ነዚ ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ይትንተን።

ኣብዚ 20 ዓመታት፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ናብ ጅቡቲ ክበጽሕ ኢማኑኤል ማክሮን ካልኣይ’ዩ። ኣብ 2010’ውን ፕረዚደንት ኒኮላስ ሳርኮዚ ናብ ጅቡቲ በጺሑ ምንባሩ ይዝከር።

ፕረዚድንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ድሕሪ’ዚ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ፣ ሎሚ ሰሉስ 12 መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ከምርሕ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ከምኡ ድማ ኣብ ወትሃደራውን ጉዳያት ጸጥታን ክዘራረብ’ዩ።

ኢትዮጵያ ዳግም እተበራብሮ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓገዝ ፈረንሳ ትሓትት ከምዘላ ይግለጽ።

ናብቲ ብሓገዝ ፈረንሳ ዝጽገን ዘሎ ላሊበላ ክበጽሕ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሳህለወርቅ ዘውደን፣ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን’ውን ክራኸብ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝተዘርግሐ መግለጺ የመልክት።

ፕረዚደንት ማክሮን፣ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ፣ ብኬንያ’ዩ ክዛዝም።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0