ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Radio Erena: 21 June 2016

Tel1

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ካብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት፣ ኤላትን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ዝተኣኻኸቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፣ ካብ ሊቨንስኪ ፓርክ ተበጊሶም፣ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ዝርከበሉ ከባቢ ሮማትጋን’ዮም ኣምሪሖም።

እዚ ሎሚ ዝተራእየ ብዝሒ ኤርትራውያን ብፍላይ ከኣ ብዝሒ ደቂንስትዮ ሰክልፈኛታት፣ ካብቲ ዓሚ ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ሰልፊ ከምዝዛይድ’ውን ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጹ።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0