ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ገበን ሰብኣውነት ሎሚ ክዝትየሉ’ዩ

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝተባህለ ገበን ሰብኣውነት ሎሚ ክዝትየሉ’ዩ

Radio Erena: 21 June 2016

HRC

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ሎሚ ሰሉስ 21 ሰነ ብዛዕባ’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽም ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ክዝቲ’ዩ።

ብ13 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ዝፈለመ መበል 32 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ መኽፈቲ መደቡ ካብ ዘተኮሮም ነጥብታት ሓደ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ይዝፈም ምህላዉ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝተገልጸ፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብ14 ሰነ ናብቲ ባይቶ ኣብ ዘቕርቦ መደረ፣ ንኹልቲ’ቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ዝቐረብ ጸብጻብ ክሒድዎ ኣሎ።

 

ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣቶ የማን ገብርኣብ’ውን ብ8 ሰነ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዕማምን ጸብጻብን እታ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን ከምዝቓወም ገሊጹ።

መርማሪት ኮሚሽን ናብቲ 47 ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ እትቕርቦ ጸብጻብ፣ ናብ ዘተን ክትዕን ወሪዱ፣ ኣብ መወዳእት ናይዚ ወርሒ’ዚ ከኣ ውሳኔ ክወሃበሉ’ዩ።

ባይቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ እንተደምዲሙ ከኣ፣ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ኣመሪካ ከተማ ኒውዮርክ ናብ ዝጋባእ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ክሰጋገር’ዩ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ምህላዉ እንተረጋጊጹ ከኣ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንክኽሰሱ ውስኔ ንምሕላፍ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ከቕርቦ ምዃኑ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ሎሚ 21 ሰነ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ንምቓውም ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ’ዮም።

በንጻር እዚ ድማ ን23 ሰነ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰለማዊ ሰልፊ ወዲቦም ኣለዉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኤርትራውያን ነበርቲ እስራኤል፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ቴልኣቪቭ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0