ኣማኢት ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ዝርከብዎም ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

ኣማኢት ኢትዮጵያን ተቓወምቲ ዝርከብዎም ደገፍቲ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮሚሽን ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ

Radio Erena: 21 June 2016

Geneve

ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ሎሚ 21 ሰነ ኣብ ጀኔቫ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

እቶም ካብ ኣመሪካ፣ ካናዳን ኤውሮጳን ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ፣ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ብምትእኽኻብ፣ ንመርማሪት ኮሚሽንን ጸቕረበቶ ጸብጻብን ኮኒኖም።

እቲ “ኣብ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጸም ኣሎ” ዝብል ጸብጻብ ከኣ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ።

ኣብዚ ደገፍቲ ህግደፍ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ ካብ ዝሓለፈ እዋናት ፍሉይ ዝገብሮ፣ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ንምዕባይ ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ብዝተገብረሎም ጻውዒት ምሳታፎምን፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝተኻየደ ሰልፊ ከኣ ብቋንቋ ኣምሓርኛ መደረታት ምስምዖምን’ዩ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣባላት ግንቦት ሸውዓተን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣብቲ ሰልፊ ክሳተፉን፣ ኣንጻር ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዝተላእከ ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ክኽትሙን ብሓለፍቶም ተደጋጋሚ ጻውዒት ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

መርማሪት ኮሚሽን ዘዘራረበቶም ኣማኢት ኤርትራውያን መንነቶም ዘይፍለጥ’ዩ ክብል ዝነጸጎ ህግደፍ፣ ነቲ ጸብጻብ ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ግና ኣማኢት ኢትዮጵያውያን ክሳተፉ ምዕዳሙ ንኤርትራውያን ዘገረመ ፍሉይ ክስተት’ዩ።

እዚ ድማ ፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝብል ክሲ፣ ንሰበ ስልጣን ህግደፍ ማዕረ ክንደት ኣሻቒልዎም ከምዘሎ ዘነጸረ፣ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ፍሉይ ፍጻሜ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ብቀጥታ ብኤሪ-ቲቪ የመሓላልፎ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ’ውን ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽን ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅዋምን ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ናብ ከተማ ጄኔቫ ይውሕዙ ኣለዉ።

ኣብቲ ሓሙስ 23 ሰነ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ክሳተፍዎ ትጽቢት ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0