ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም ተዓዋቲ ሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽኽለታ ኣፍሪቃ 2016″ ኮይኑ

Radio Erena: 22 December 2016

Tes

ምስ ናይ ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ክለብ ሻርጃ ዝቐዳደም ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም ተዓዋቲ ሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽኽለታ ኣፍሪቃ 2016″ ኮይኑ።

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2016 ዝኾነ ተስፎም፡ ነዚ ብኣካየድቲ ውድድር ብሽክለታ ቱር ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ዝተወደበ ሽልማት ክዕወተሉ ዝኸኣለ 98 ነጥቢ ብምውህላል እዩ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንከዝን ብ91 ነጥቢ፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ድማ፡ ብ41 ነጥቢ ንተስፎም ስዒቦም ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም።

ብሰሉስ  20 ታሕሳስ፣ ኣብ መደብ ስፖርት ከም ዝገለጽናዮ ነዚ ሽልማት 20 ተቐዳደምቲ ኣፍሪቃ እዮም ተሓጽዮም ኔሮም። ኣቦ መንበር ናይ’ታ ነዚ ውድድር ዝመመየት ሽማግለ፡ ንቱር ዲ ፍራንስ 5 ግዜ ዝተዓወተሉን ሓደ ካብ’ቶም 6 ተቐዳደምቲ፡ ንሰለስቲኡ ማልያታት ውድድር ግራንድ ቱር (ቱር ዲ ፍራንስ፡ ጂሮ ዲ ኢታልያን ቮልታ ስጳኛን) ዝወነነን ፈረንሳዊ በርናርድ ሂኖ ስም ዕዉት ምስ ተፈልጠ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንተስፎም “ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ እዩ። ንምስሊ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣመልኪዕዎ እዩ። ብደረጃ ፕሮፌሽናል ምስ ዓበይቲ ክለባት ቅድድም ብሽኽለታ እዩ ክወዳደር ዝግብኦ።” ብምባል ገሊጽዎ።

ሽልማት “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ” ኣብ 2012 ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዓብሊሎሞ ይርከቡ። ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012 ቦኽሪ ተዓዋቲ ክኸውን ከሎ፡ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንከዝ ድማ፡ ኣብ 2013 ነዚ ሽልማት ኣብ ኢዶም የእትዮሞ ኔሮም።

ተስፎም ቅድሚ 10 መዓልቲ’ውን፡ ብማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (U.C.I) ተፈላጥነት ኣብ ዘለዎ ውድድር ብሽክለታ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ብ466 ነጥቢ፡ ናይ 2016 ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ተዓዋቲ ኮይኑ እዩ።

ኣባላት ናይታ ሽማግለ 26 ሰባት ኮይኖም፡ ካብዚኦም እቶም 10 ኣፍሪቃውያን እዮም። ካብ’ዞም 26 እቶም 13 ንተስፎም ኣብ ቀዳማይ ከቐምጥዎ ከለዉ፡ እቶም 10 ንሜንከዝ እቶም 2 ንዳንኤል ንዳንኤል ቀዳሞት ጌሮሞም።

ክለብ ሻርጃ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈንጠሐት ክትከውን ከላ፡ ተስፎም ዓወቱ ምስ ተረጋገጸ፡ ” እዚ ረኺበዮ ዘለኹ ክብሪ፡ ሓዳስ ጋንታ ንኽረክብ ክሕግዘኒ ተስፋ እገብር።” ኢሉ።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0