ክልተ ባንክታት ኣብ ካምፓላ፣ ብቕትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ መርመራ ይካየደለን

Radio Erena: 23 December 2016

Dani

ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝርከባ ክልተ ባንክታት፣ ኣብ ቅትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ዳኒኤል ወልዱ ምትሕብባር ኔሩወን ብዝብል ክሲ መርመራ ይካየደለን ምህላዉ ማዕከናት ዜና ካብ ኡጋንዳ ሓቢረን።

ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ፣ ኣንድሪው ፈሊክስ ካወሲ፣ ስም እተን ባንክታት እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ክልተ ባንክታት ግና ብጉዳይ ቅትለት እቲ ኤርትራዊ ምጽራይ ይካየደለን ከምዘሎ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ናይ ካፕቴን ማዕረግ ዘለዎ ሓኪም ማንጀኒ ዝተባህለ ኡጋንዳዊ ወትሃደራዊ መኮነን ምስ ክልተ ተሓባበርቱ፣ ብቕትለት ኤርትራዊ ነጋዳይ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ካምፓላ ዝተፈንወ ዜና ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ፣ ምስጢር ናይ ባንክ ሕሳብ ናይቲ ኤርትራዊ ንዘቃልዓ ክልተ ባንክታት’ውን ምጽራይ ዝካየደለን ዘሎ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ዝነበረ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ዳኒኤል ወልዱ፣ ኣብታ ሃገር ዕግርግርን ናዕብን ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ህይወቱ ንምድሓን ናብ ኡጋንዳ እኳ እንተምርሐ ካብ 27 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ግና ደሃዩ ጠፊኡ።

ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ከኣ ሬስኡ ኣብ ቡስያ ኣብ ዝተባህለ ገጠር ኬንያ፣ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ ተደርብዩ ተረኺቡ።

ፖሊስ ኡጋንዳ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ዳኒኤል ወልዱ ካብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምምላሱ፣ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳቡ ክልተ ሚልዮን ኤውሮ ከምዘለዎ ዝፈለጠ ኡጋንዳዊ ወትሃደራዊ መኮነንን ክልተ ተሓባበርቱን፣ ናይ ጀርመን ቪዛ ንምርካብ ክሕግዝዎ ምዃኖም ብምትላል’ዮም፣ቀቲሎሞ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘሎ ምልክን ዕብለላን ናይ ንግድን ወፍርን ዕድላት ዝሰኣኑ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኣንጎላ፣ ኮንጎ፣ ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ዕዉታት ነጋዶን ኣውፈርቲን ክኾኑ ክኢሎም ምህላዎም ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ኣብ ከም በዓል ጁባን ካምፓላን ብሰንኪ ዘሎ ግኑን ስርቅን ዘረፋን፣ ህይወት እዞም ኤርትራውያን ኣብ ተደጋጋሚ እዋን ኣብ ሓደጋ ክወድቕ’ዩ ዝርአ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0