300 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ምጥሓል ድሒኖም

Radio Erena: 23 December 2016

Res

ኣስታት 300 ስደተኛታት ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ናይ ውልቂ ትካላትን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከድሕኑ እንከለዉ፣ ሽዱሽተ ሰባት ግና ከምዝሞቱ ንሰበ ስልጣን ኢጣልያ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ዜግነት ናይቶም ብሮቡዕ 21 ታሕሳስ ዝደሓኑ ይኹኑ ኣብቲ ናይ ምድሓን ስርሒት ዝሞቱ ሽዱሽተ ሰባት ኣይተፈልጠን።

ኣብ ዓመተ 2016፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብምብጋስ ብሓገዝ ትካላት ህይወት ኣድሕንን ሓይሊ ባሕሪን ናብ ኢጣልያ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 4700 ግና ኣብቲ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

 ==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0