ኢትዮጵያ፣ ሚልዮናት ህዝቢ ተጸባዪ ረዲኤት ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ብምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ይሽለም

Radio Erena: Monday, 29 January 2024
ኣብ ሮማ ዝመደበሩ፣ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ፣ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO)፣ ብ28 ጥሪ ኣብ ዘካየዶ ጽምብል፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ብዘለዎ ራኢ፣ ናይ ክብሪ ሽልማት ዓዲልዎ።
እቲ ብቻይናዊ ዳይረክተር፣ ኩ ዶንግዪ ዝምራሕ ኣህጉራዊ ትካል፣ ንመራሒ እታ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣስታት 10% ካብ ህዝባ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይና ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብራኢ ውሕስነት መግቢ፣ ናይ ክብሪ ሽልማት ምዕዳሉ፣ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
FAO ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ብመሰረት እቲ ትካል ዘቐመጦ መምዘኒታት፣ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ፣ መሪሕ ተራ ንዝጻወቱ መራሕቲ ማዳልያ ናይ ምብርካት መስርሕ ተኸቲሉ፣ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝሸለሞ ጠቒሱ።
ኣብይ ኣሕመድ፣ ኢትዮጵያ ሃዋሁ ኵናት ኣንጸላልዋ እናሃለወ’ውን፣ ኣብ 2019 ናይ ሰላም ኖቤል ምሽላሙ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ መዘራረቢ ኣርእስታት ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ ኔሩ’ዩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንሰላም ዝልዓለ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰባት ዝወሃብ ሽልማት ድሕሪ ምቕባሉ፣ ኣብ ዓመቱ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ዘህለቐ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ’ዩ ተጸሚዱ።
ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብሰንኪ’ቲ ኵናትን ደርቂን፣ ኣስታት 13 ሚልዮን ካብ ህዝባ ተጸባዪ ረዲኤት ኣብ ዝኾነሉን፣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ኣማኢት ሰባት ብዓጸቦ ኣብ ዝሞትሉ ዘለዉ እዋን ድማ’ዩ፣ ኣብይ ኣሕመድ፡ ውሕስነት መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ብዘለዎ ርኢ፣ ካብ ውድብ መግብን ሕርሻን ፍሉይ ሽልማት ተበርኪትሉ ዘሎ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዘሕዝን ፍጻሜ ዓጸቦ ናይ 1984 ከይድገም ዘስግእ ምዃኑ’የን ማዕከናት ዜና ዘቃልሓ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0