ሱዳን፣ 18 ሚልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥሜት

Radio Erena: Wednesday, 21 February 2024

ኣብ ሱዳን ኣስታት 18 ሚልዮን ሰባት ማለት 37% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ጥሜት ይርከቡ።

ኣብቲ ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት (WFP) ትማሊ ሰኑይ ዝወጸ ሓበሬታ፣ 700 ሽሕ ህጻናት ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ደረጃ ጥምየት ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) እውን ብሰንኪ እቲ ግጭት ተላባዒ ሕማማት እናወሰኸ ብምምጽኡ ኣቓልቦ ክወሃቦ ጸዊዑ።

እቲ ውድብ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ ካልእ መግለጺ፣ሕማም ኮሌራ ቀጻሊ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎን፡ ክሳብ 31 ጥሪ 2024 10,500 መልከፍቲ ኮሌራን 300 ሞትን ከምዝተመዝገበ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ግጭት ዘስዓቦ ኣብ ክንክን ጥዕና ዘጋጠመ ምዝንባዕ፡ ልክዕነት ምክትታል ብድሩትነት ተበጻሕነት ስለዝጽሎ፡ እቲ ጭቡጥ ቁጽሪ ሕሙማትን ሞትን ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣመልኪቱ።

ወሃቢ ቃል ዩኒሴፍ ጀምስ ኤልደር ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ሳዕቤን ናይ ዝሓለፉ 300 መዓልታት፣ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 700 ሽሕ ህጻናት ንሕጽረት መግቢ ናብ ሞት ተቓሪቦም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ኩነታት ሱዳን ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ እታ ሃገር ኣብ ኣፍደገ ዕንወት ከም ትርከብ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ጥራይ፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ተወሳኺ 1.7 ሚልዮን ሰባት ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሃዲሞም።

እዚ ዋሕዚ ነቲ ድሮ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ብድሆታት ዝጸንሓ ከም ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፣ ቻድ፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ካብ ሚያዝያ ኣትሒዙ 516 ሽሕ ሰባት ካብ ሱዳን ናብ ደቡብ ሱዳን ሰጊሮም።

ንባዕላ ብፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ውሕስነት መግብን ኣብ ከቢድ ኩነታት ዘላ ደቡብ ሱዳን፣ምምዝባል ሱዳናውያን ነቲ ኩነታት ከምዘብኣሶ ይፍለጥ።

ፈረንሳ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣኼባ ሚኒስተራት ብምክያድ ንሱዳንን ጎረባብቲ ሃገራትን ክትሕግዝ ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገርን ዲፕሎማሰኛታትን ምግላጾም ይዝከር።

ሕቡራት ሃገራት፡ ሃገራት ኣብ ኲናት ሱዳን ዝተመዛበሉ ሰላማውያን ሰባት ንምሕጋዝን ሰብኣዊ ድሌታቶም ንምምላእን ከምኡ ውን ነቶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሃደሙ ንምድጋፍ ናይ 4.1 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ሓቲቱ ኔሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ስቴፋን ሰጆርን ኣብ ባይቶ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዋዕላ ን15 ሚያዝያ ክኸውን ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ ሚኒስተራት፡ ዞባዊ ተሳተፍቲ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሮም ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ዘይመኽሰባውያን ትካላትን ክሳተፉ ምዃኖም ሮይተርስ ሓቢራ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0