ኣፍሪቃ: ሓድሽ ዝለዓለ ናይ ክለባት ኩዑሶ እግሪ ግጥም ጀሚሩ

Radio Erena: Monday 23 October 2023

ኣብ ኣፍሪቃ ብዓይነቱ ሓድሽ ዝኾን ኣብ መንጎ ዓበይቲ ናይ ሃገራት ክዑሶ እግሪ ክለባት ዝካየድ ግጥም ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ::

እዚ African Football League (AFL) ‘ኣውሪቃዊ ክበብ ኩዑሶ እግሪ’ ዝተሰምየ ናይ ክለባት ውድድር ኣብ መንጎ እተን ዝበለጻ ጋንታታት ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ዕቤት ኩዑሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዓቢ እጃም ክጻወት ትጽቢት ይግበር::

እቲ ጸወታ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ታንዛንያ ኣብ መንጎ ግብጻዊት ክለብ ኣል-ኣህሊን ታንዛንያዊት ክለብ ሲምባን ዝጀመረ ጸወታ 8 ጋንታታት ዝሳተፍኦ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጸወታ እዩ::

እዚ ብምውህሃድ ፊፋን ካፍ(ናይ ኣድሪቃ) ዝጀመረ ውድድር ንዓመታ 24 ጋንታታት ከሳትፍ ምኳኑን ተዓዋቲት ጋንታ 4 ሚልዮን ዶላር ክትሽለም ምኳናን ተገሊጹ::

እዚ ሓድሽ ጸወታ ክሳብ ተፈላጥነት ረኺቡ ብዓበይቲ ተለቪዥናት ዝመሓላለፍ ንግዚኡ ብዩቱብ ብቐጥታ ክመሓላለፍ እዩ: ኣብ መጻኢ’ውን ናይ ቻምፕዮንድ ሊግ – ኤውሮጳ ቅርጺ ክሕዝ ትጽቢት ይግበረሉ::

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0