ብርጌድ ንሓመዱ፣ ውዳቤታቱ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከተማታትን የሓይል

Radio Erena: Monday 23 October 2023

ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ኣንጻር ‘ቲ ንኤርትራ ዘመሓድር ዘሎ ስርዓት ዝተፈላለያ ናይ ተቓውሞ ውድባትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ምንቅስቓሳትን ተራእዩ እዩ::

ካብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተራእየ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝተጸውዐ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ‘ስምረት’ን ‘ይኣክል’ን ክጥቀስ ይከኣል: እዚ ንቅስቓሳት ኣብ መጀመርታ ዓቢ’ኳ እንተነበረ ምስ ግዜ ግን እናተገማምዕን እናተዳኸመን ከይዱ ናይ መጀመሪኡ ምኽንያት ኣሰር ኣጥፊኡ::

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣንጻር ምፍራስ ፌስቲቫላት ህግደፍ ኣንቂዱ ዝተላዕለ ብመንእሰያት ዝተዓብለለ ምንቅስቓስ ግን ምስ ግዜ እናዓመረን ኣባላቱ እናወሰኸን ይመጽእ ኣሎ::

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን በብኸተምኦም ብምጥርናፍ ብከተማን ሃገርን ይወዳደቡን መሪሕነት የቑሙን ኣለዉ::

ኣብ ሃገራት ስዊዘርላንድ: ኔዘርላንድ: ስዊደን: ኖርወይ: ጀርመን: እስራኤል: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ኡጋንዳን ካልኦትን ድሮ ክጥርነፉ እንከለዉ ናይ ካልኦት ሃገራት’ውን ምድላዋት ይገብሩ ኣለዉ::

ኣባላት ብርጌድ ንሓመዱ መብዛሕትኦም ኣብ 2015ን ድሕሪኡን ካብ ኤርትራ ዝተሰዱ ኮይኖም ዕድሚኦም መሰታ ናጽነት ኤርትራ ወይ ትሕቲኡ እዩ: ናይ ብዙሓት ኣቐዲሞም ናይ ዝተሰዱ ኤርትራውያንን ውድባትን ደገፍ ድማ ረኺቦም ኣለዉ::

ብርጌድ ንሓመዱ መጀመርታ ነቲ ብሽም መላእ ኤርትራውያን ዝዳሎ ፌስቲቫላት ህግደፍ ንምፍሻል ዝተብገሰ’ኳ እንተኾነ: ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን መደባቱ ብምስፋሕ ቃልሱ ናብ ኤርትራ ከምዝኣቱ ክገብር ምኳኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዋዕላታት ዘካየዱ ኣባላቱ ይገልጹ ኣለዉ::

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0