ንመራሕቲ ኣል-ሸባብ ዝጠቖመ 10 ሚልዮን ዶላር ሞቕሽሽ ተሰሊዑ

Radio Erena: Monday 23 October 2023

ንኣዝዮም ተደለይቲ መራሕቲ ሶማላዊ ጉጅለ ዕጡቕ ኣል-ሸባብ ኣሕመድ ዲርየ: ማሃድ ካራተ: ጀሃድ ሙስጠፍን ኣቡበከር ዓሊ ኣዳን ዝጠቆመን ኣበይ ከምዘለዉን ዝሓበረን ንነፍሲወከፎም 10 ሚልዮን ዶላር ሞቕሽሽ ክወሃብ ምኳኑ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኣቶ ፖስተር ሓቢራ::

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝዝርግሖ ስእሊ ናይቶም መራሕቲ ዘለዎ ፖስተር 10 ሚልዮን ዶላር ሞቕሺሽ ነዞም መራሕቲ ዘለዉዎ ዝጠቆመ ዝብል ይርከቦ::

ኣብቲ ፖስተር ስእልታት እቶም መራሕቲ ክህሉ እንከሎ: እዞም መራሕቲ ኣል-ሸባብ ኣብ ሶማልያ: ኬንያን ጎረባብቲ ሃገራትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ብመቕተልቲ ኣሽሓት ሰባት ተሓተትቲ እዮም: ኣበይ ከምዘለዉ ንዝሓበረ ድማ 10 ሚልዮን ዶላር ድማ ይማባጻዕ

ኣቐዲሙ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ምውዕኣዕ ንነዊሕ እዋን ኣል-ሸባብ ምክትል ኮይኑ ዝመርሐ ሕጂ ግን ኣበይ ከምዘሎ ዘይፍለጥ ኣቡበከር ዓሊ ኣዳን ዘትሓዘ 10 ሚልዮን ዶላር ተመባጺዑ ኔሩ ዛጊት ግን ኣሰሩ ክርከብ ኣይከኣለን::

እዞም መራሕቲ ኣልሸባብ ኣብ ማንዳ – ኬንያ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ናይ ዝተኻየደ መጥቃዕትን ሞት ሰለስተ ኣመሪካውያንን ተሓተትቲ ምኳኖም ‘ውን ብኣመሪካ ይኽሰሱ::

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0