ሰራዊት ኤርትራ፣ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ኣብ ትግራይ ገበናት ኵናት ፈጺሙ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወቒሱ

Radio Erena: Thursday, 07 September 2023

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን  ህወሓትን ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም፣ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ገበናት ኵናት ከምዝፈጸሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብ04 መስከረም ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ጸብጻብ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕ፣ ጃምላዊ ቅትለትን፣ ንደቂንስትዮ ጊላታት ስጋዊ ርክብ ዝገበረ ዓመጻትን ዝኣመሰለ ገበናት ከምዝፈጸሙ’ዩ ጠቒሱ።

ነቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ’ውን፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ይፍጽም ኣሎ ዝበሎ ገበናት፣ ምጽራይ መታን ክከኣል፣ ዕማም ኣህጉራዊ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ክናዋሕ፣ ናብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብዝርከብ ቀዋሚ ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ብወገኑ፣ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ነቲ ‘ብዲሲፒሊን ዝተሃንጸ ሰራዊት ኤርትራ’ ምውንጃሉ መሰረት ዘይብሉ ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ኣምነስቲ ብማዕዶ ካብ ዝኣከቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ከምዚ ዓይነት ጸብጻብ ምቕራቡ፣ ተኣማምነት ከምዘይብሉ ዘጉልሕ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ቀንዲ ዕላምኡ፣ ንኤርትራን ህዝባን ንምጽላም’ዩ ኢሉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ነቲ ጸብጻብ ንምድላው፣ ካብ 17 ግንቦት ክሳብ 10 ሰነ 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ናይ 49 መሰኻክር ብቴሌፎን ቃለ መሕተት ከምዘካየደ ‘ዩ ኣነጺሩ።

እቲ ትካል፣ ኣብ 17 ነሓሰ’ውን ተመሳሳሊ ክስታት ዝሓዘ ንኡስ ጸብጻብ ብምድላው ናብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያ እኳ እንተለኣኸ፣ ዝኾነ ግብረ መልሲ ከምዘይረኸበ ኣመልኪቱ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0