ኣፍሪቃ፣ ልዕሊ 10 መራሕቲ ሃገራት ዕድሚኦም ልዕሊ 75 ዓመት’ዩ

RADIO ERENA – Friday, 15 March 2024

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ዝርከቡ ልዕሊ 10 መራሕቲ ሃገራት፣ ዕድሚኦም ልዕሊ 75 ዓመትዩ።

ብዕድመ ምድፋእ ቀዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ ፕረዚደንት ካሜሩን ፖል ቢያ ኮይኑ ኣብዚ እዋንዚ ዕድምኡ 91 በጺሑ ኣሎ።

እተኦም ካልኦት ብዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ጊኒ፣ ኣልፋ ኮንዶ፣ ወዲ 85 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኣይቮርይ ኮስት፣ ኣላሳን ኦታራ፣ ፕረዚደንት ዚምባብዌ፣ ኤመርሰን ምናንጋዋን ፕረዚደንት ናይጀርያ መሓመድ ቡሃሪን፣ ነፍሲ ወከፎም 82 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ወዲ 81 ዓመት፣ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ደኒ ሳሱ ንጌሶ ወዲ 80፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒን ፕረዚደንት ጋና፣ ናና ኣኩፎ ኣዶን ነፍሲ ወከፎም 79 ዓመት፣ ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ኣልጀርያን፣ ዓብደልመጂድ ተቡን ነፍሲ ወከፎም 78፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ እስማዒል ዑመር ገለ ድማ ወዲ 76 ዓመትዮም።

ገሊኦም ካብዞም ዕድመ ደፊኦም ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብምርጫ ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ፣ ገሊኦም ድማ ብወትሃደራዊ ዕልዋን ሰውራታትን ስልጣን ዝጨበጡዮም።

ሓያሎ ካብዞም ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ዝርከቦም፣ ዕድመ ዝደፍኡ መራሕቲ ሃገራት፣ ኣብ ስልጣን ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘቝጸሩዮም።

91 ዓመት ዝዕድምኡ ፕረዚደንት ካሜሩን፣ ፖል ቢያ፣ ነታ ሃገር ን42 ዓመታት ክመርሓ እንከሎ፣ ወዲ 81ዓመት ኮይኑ ዘሎ ፕረዚደንት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ቴዶር ኦብያንግ ድማ ን43 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣሎ።

ወዲ 80 ዓመት ኮይኑ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ደኒ ሳሱ ንጌሶ ውን ነታ ብኮንጎ ብራዛቪል አትፍለጥ ሃገር፣ ልክዕ ፍርቂ ዕድምኡ ን40 ዓመታት መሪሑዋ።

ወዲ 79 ዓመት መሊኡ ዘሎ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ካብ 1986 ኣትሒዙ 38 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክህሉ እንከሎ፣ ብሓደ ዓመት ጥራይ ዝንእሶ፣ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድማ ንልዕሊ 32ዓመታት ንኤርትራ ይርከብ።

ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብፍላይ ኤውሮጳ፣ መራሕተን ብመንእሰያት እናተተክኡ፣ 54 ሃገራት ኣብ ዝሓቖፈት ኣፍሪቃ ግና እቶም ዝበዝሑ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦምዮም።

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡርኪና ፋሶ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ዝጨበጠ፣ ወዲ 34 ዓመት፣ ካፒተን ኢብራሂም ትራኦረ፣ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ብዕድመ ዝንኣሰ መራሒ ሃገርዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም፣ ኣብ ስልጣን ንልዕሊ 32 ዓመታት ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ መንእሰያት እንከለዉ ስልጣን ከምዝጨበጡ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0