ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ዓባይ ናይ ንግዲ መርከብ ተጨውያ

RADIO ERENA – Thursday, 14 March 2024

ብመንገዲ ህንዳዊ ውቅያኖስ ትሓልፍ ዝነበረት ዓባይ ናይ ንግዲ መርከብ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል ተጨውያ።

እታ፣ ብሰሉስ 12 መጋቢት፣ ብቀርሰንቲ ባሕሪ ተጨውያ ከምዘላ ዝተገልጸት መርከብ፣ 55 ሽሕ ቶን ሕመት ወይ ከሰል ጽዒና ምንባራ ኣብ ባንግላድሽ ዝመደበሩ ወናኒኣ ኩብንያ ኣረጋጊጹ።

23 ሰራሕተኛታት ናይታ ኤምቪ ዓብዱላህ ዝተሰምየትመርከብ ውን በቶም ዕጡቓት ተታሒዞም ከምዘለዉ እቲ ኩባንያ ኣመልኪቱ።

እቶም ቀርሰንቲ፣ ነታ መርከብ፣ ናብ ገማግም ባሕሪ ሶማል ከምዘምርሕዋዩ ተሓቢሩ።

እታ መርከብ፣ ካብ ሞዛምቢክ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እናምረሐት እንከላያ ተጨውያ።

ቀይሕ ባሕሪን ክሊ ማይ ሶማልን፣ ብሰንኪቲ ሑቱ ናይ የመንን ቀርሰንቲ ባሕሪን ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕታት፣ ውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ።

ብሰንኪቲ ኣብቲ ዞባ ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ ተኸሲቱ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታትን፣ ኣዝየን ብዙሓት ኩባንያታት መጓዓዝያ ባሕሪ፣ መራኽበን ብደቡብ ኣፍሪቃ ተዃሊለን ከመላልሳ ተገዲደን ኣለዋ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0