ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘስግኣ ኣመሪካ፣ ምስታ ንሑቲ ከምእትድግፍ ዝንገረላ ኢራን ብምስጢር ምዝታያ ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Friday, 15 March 2024

ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ዘስግኣ ኣመሪካ፣ ምስታ ንሑቲ ከምእትድግፍ ዝንገረላ ኢራን ብምስጢር ከምዝዘተየት መጽሔት ፋይናንሻል ታይምስ ሓቢራ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፣ ኣብ ዖማን ከምዝተኻየደ ዝተነግረሉ ዘይቐጥታዊ ዘተ፣ ብዛዕባቲ ኢራን ከተማዕብሎ እትውጥን ዘላ ኑክሌራዊ ኣጽዋርውን ዘጠቓለለ ምንባሩዩ ተጠቒሱ።

ብዛዕባቲ ዘይቀጥታዊ ዘተ ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃግራት ከምዘረጋገጹላያ እታ መጽሔት ገሊጻ።

ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም፣ ሑቲ ናይ የመን፣ ብቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽብ ዘካይድዎ ዘለዉ መጥቃዕታት፣ ንኣመሪካን ሃገራት ኤውሮጳን ሻቕሎት ፈጢሩለን ይርከብ።

ናይ ንግዲ መራኽበን ንምሕላው ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወትሃደራውያን መራኽብ ኣዋፊረን ዝርከባ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ፈረንሳን፣ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት፣ ካብ ሑቲ ዝተወንጨፋ ሓያሎ ድሮናት ከምዘዕነዋየን ዝሕብራ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከየበለት፣ ሑቲ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ካብ ምጥቃዕ ከምዘይዕገትዩ ዝገልጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0