ኣዲስ ኣበባ ግፋ ኤርትራውያን ንሳልሳይ ሰሙን ቀጺሉ

Radio Erena: Tuesday, 12 December 2023

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝጀመርዎ ግፋ ንሳልሳይ ሰሙን ከምዝቐጸለ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፣ ዝጸዕቐሉን ዝፈዅሰሉን መዓልታት ኣሎ ዝበሎ እቶም ምንጭታት፣ ብፍላይ ዝሓለፈ ዓረቢን ቀዳምን ካብ ካልእ እዋናት ዝበኣሰ ምንባሩ ኣስሚሮምሉ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ንዝሓዝዎም ኤርትራውያን ብሸጓጉጥን ጠበናጁን እናሃደዱ ክወስድዎም ዝርኣዩ’ውን ንራድዮ ኤረና ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ኣካፊሎም።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ ሕጋዊ ናይ ስደተኛታት መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ኤርትራውያን ከይተረፉ፡ ‘ጉዳይኩም ክሳብ ዝጻረ’ ተባሂሉ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ራድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጾም።

ካብቶም ተገፊፎም ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ናብ ሳልሳይቲ ሃገር ንምስግጋር መስርሕ ወረቓቕቶም ወዲኦም፡ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ክጽበዩ ዝጸንሑ’ዮም።

ዕላማ እቲ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ጥራይ ኣተኲሩ ዝካየድ ዘሎ ግፋ ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ዝተዋፈሩን  ኤርትራውያን ንምህዳን ዝብል ዘይተረጋገጸ ወረ ከምዘሎ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወከስናዮም ካልኦት ወገናት ይእምቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሰፊሕ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ሚሊሻ ፋኖን ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከየልዕል ተሰጊኡ ምህላዉ’ዩ ዝጥቐስ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣሰካፊ እናኾነ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዑቕባ ሓቲቶም ክነብሩ ዝጸንሑ ይኹኑ ናብታ ሃገር ዝሰገሩ ሓደሽቲ ስድተኛታት ኤርትራ፣ ብመንገዲ ኬንያ ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩን ንምስጋር ይፍትኑን ምህላዎም ‘ዩ ዝግለጽ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0