ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ዲፕሎማሰኛታት ሓድሕደን ሰጕጎን

Radio Erena: Tuesday, 12 December 2023

ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ዝመደበሮም 15 ኣባላት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽኡ ኣዚዛ።

ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር፣ ብ10 ታሕሳስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ንፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ናብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ነቲ ትእዛዝ ከምዝሃባ ኣረጋጊጹ።

ሱዳን፣ ንዲፕሎማሰኛታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ሃገራ ክወጽኡ ዝኣዘዘትሉ ምኽንያት ኣየነጸረትን።

እንተኾነ፣ እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት፣ ምስቲ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ከምዝወገነት፣ ብወገን ሰራዊት መንግስቲ ወቐሳ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ንወቐሳ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ዝነጸገት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብወገና፣ ቅድሚ’ዚ ናይ ሱዳን ትእዛዝ፣ ሓደ መዓልቲ ቀዲማ፣ ንሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ሱዳን፣ ኣብ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ከምዝወጽኡ ጌራ’ያ።

ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ዲፕሎማሰኛታት ክሳብ ምስጓግ ኣብጺሑወን ዘሎ ወጥሪ፣ ወግዓዊ መግለጺታት ኣይሃባሉን።

ይኹን’ምበር ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፊናንስያዊ ሓገዝ ዝተጎልበበ ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ግጭታት ከጎሃህር ከምዝኽእል ብዝተፈላለዩ ተንተንቲ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0