ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዬጵያ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣባላቱ ጠቕሊሎም ኣዚዙ

Radio Erena: Thursday, 21 December 2023

ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዬጵያ ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣባላቱ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እቲ ባንክ፡ ብ20 ታሕሳስ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዬጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ወጻእተኛታት ኣባላቱ ንዝፈጸምዎ፤ ናይ ዲፕሎማሲ ፕሮቶኮል ዝጠሓሰ ማእሰርትን ምክልባትን ንዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ’ዩ ነዚ ስጉምቲ ክውሰድ ተገዲዱ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዬጵያ፡ ብ31 ጥቅምቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት እቲ ባንክ፤ ንሰዓታት ዝጸንሐ ማእሰርትን ኣካላዊ መጉዳእቲን ከምዘብጽሑን ‘ዩ እቲ ባንክ ዝወቕስ።

ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ፤ ብ22 ሕዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ላዕለዋይ ወኪል ናይቲ ባንክ፡ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዬጵያ ዝግባእ ኣተኩሮ ከምዘይተዋህቦ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።

መንግስቲ ኢትዬጵያ፡ ነቲ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፡ ምጥሓስ ፕሮቶኮል ዲፕላማሲ’ዩ ዝበሎ ፍጻሜን ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲን ብዝምልከት ዛጊት መግለጺ ኣይሃበሉን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ከቢድ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣጋጢምዎ ዘሎ መንግስቲ ኢትዬጵያ፡ ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ይሓትት ምህላዉ ተሓቢሩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0