ኣየርላንድ፣ ንኤርትራውያን ቆልዑ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣስታት 1 ሚልዮን ኤውሮ ለጊሳ

Radio Erena: 29 May 2020

መንግስቲ ኣየረላንድ፣ ኤርትራውያን ቆልዑ ንምሕጋዝ ዝውዕል ኣስታት 1 ሚልዮን ኤውሮ ከምዝለገሰ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ፣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ኣስታት 80 ሽሕ ኤርትራውያን ቆልዑ፣ መኣዛዊ መግቢ፣ ክታበትን መሰረታዊ መድሃኒታትን ንምቕራብ ክውዕል’ዩ።

ብዘይካ’ዚ’ውን ኣብ ክታበት ቆልዑ ንዝዋፈሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝርከብዎም 250 ሰባት ሳላ’ዚ ሓገዝ ስልጠና ክወሃቦም ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ኣብ ጽሬትን ጥዕናን ቆልዑ ዘተኮረ መደባት’ውን በዚ ምወላ’ዚ ንምትግባሩ ተመዲቡ’ሎ።

እቲ ብ ‘ኣይሪሽ አይድ’ ዝፍለጥ መንግስታዊ ናይ ምትሕግጋዝ ትካል፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ልዕሊ 5 ሚልዮን ኤውሮ ዝተፈላለየ መደባት መዊሉ።

UNICEF፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣብ ቀረብ ክታበትን መኣዛዊ መግብታት ቆልዑን ዘድሃበ ናይ 10ታት ሚልዮናት ፕሮጀክታት ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዚ ድማ ካብ ሃገራት ኤውሮጳን ካልኦት መሻርኽትን ከምዝረኽቦ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ፣ እቲ ናይ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ማዕከን ቆልዑ፣ ልዕሊ 700 ሽሕ ክታበት ናብ ኤርትር ከምዝልኣኸ ሓቢሩ’ዩ።

እቲ ትካል፣ ካብ 2014 ንደሓር ጥራይ፣ ኣብ ክታበት ቆልዑ ዘድሃበ ህጹጽ መድሃኒታት፣ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ፣ ናብ ኤርትራ ብነፈርቲ ይልእኽ።

ብዝገብሮ ዘሎ ጻዕርን ምትሕብባር መሻርኽትን ድማ መጠን ሸፈነ ክታበት ኣብ ኤርትራ ናብ ኣስታት 95% ከምዘዕበዮ ይገልጽ።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0