ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ኣናዊሑ

Radio Erena: 31 May 2020

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ኣጽኒዕዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከምዘናወሖ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ብዓርቢ 29 ግንቦት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ሱዳን ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር ማዕቀብ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከናውሖ እንከሎ፣ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተነብረ ንብረቶም ናይ ምድስካል ማዕቀብ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዳግማይ ክሳብ ዝረአ፣ ከምዘለዎ ክጸንሕ ወሲኑ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተረኽባ 15 ኣባል ሃገራት፣ እተን 12 እቲ ማዕቀብ ክናዋሕ ከድምጻ እንከለዋ፣ ቻይና፣ ሩስያን ደቡብ ኣፍሪቃን ድምጸን ካብ ምሃብ ተቖጢበን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት፣ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝጓረት ኣጽዋር፣ ገበናት ንምፍጻም ርሒብ ዕድል ከፊቱ ብምጽንሑ ነቲ ውሳኔ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ መወዳእታ፣ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ሓድሽ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ምንቛም ዝኣተዉዎ መብጽዓ ብቕጽበት ከተግብሩ ጸዊዑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0