ሱዳን፣ ብሰራዊት ዝተደገፉ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ከሲሳ

Radio Erena: 29 May 2020

ብሰራዊት ዝተደገፉ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ኣብ ዶባት ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ከሲሱ።

ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብርጋድየር ዓምር መሓደም ኣል ሓሰን ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ ብሓሙስ 28 ግንቦት፣ ካብ ሩባ ኣጥባራ ማይ ክጓርቱ ንዝመጹ ሚሊሻ፣ ሰራዊት ሱዳን ክኽልክሎም ኣብ ዝፈተነሉ’ እዋን’ዩ ኣቲ ግጭት ተጓሃሂሩ።

ኣብቲ ግጭት ፈለማ ሓደ ሚሊሻ ኢትዮጵያ ክቖስል እንከሎ ድሒሩ ግና እቶም ሚሊሻ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደገፊፎም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ እቲ ኣፈኛ ኣረዲኡ።

መግለጺ ናይቲ ኣፈኛ ብተወሳኺ፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ናይ ካፕቴን ማዕረግ ዘለዎ ወትሃደራዊ መኮነን ሱዳን ክቕተል እንከሎ፣ ሽዱሽተ ድማ ከምዝቖሰሉ ጠቒሱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ኣርፒጂን ብሬንን ዝዓይነቱ ጠበናጁ ከምዝተጠቕመ ተመልኪቱ።

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወሉ ብወግዒ ክገልጽ እዚ ንፈለማ’ዩ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣልፋሽጋ ክሰሓሓባ ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዘን ግና ሰራዊት ኣኢትዮጵ ካብቲ ከባቢ ክስሕብን ብሰራዊት ሱዳን ድማ ክትካእን ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝተረዳድኣ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

እዚ ትማሊ ዘጋጠመ ፍጻሜ፣ ነቲ ስምምዕ ንድሕሪት ክመልሶን፣ ንሱዳን ካብ ጉዳይ ዶብ ሓሊፉ ኣብ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ንዘለዋ መርገጺ ዝሓላልኽ ክኸውን ከምዝክእል ተንተንቲ ይእምቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0