ኣውስትራልያ: ኤርትራውያን ኣብ ግጭት

Radio Erena: Monday, 15 January 2024

ኣብ ኣውስትራልያ ከተማ ሜልቦርን ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምትን ኣብ ዝተኻየደ ግጭት 14ሰባት ክቆስሉ እንከለዉ 10ተ ካብኦም ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክን ተጌሩሎም::

እዚ ብማዕከናት ዜና ኣውስትራልያ ሸፈነ ዝተገብረሉ ግጭት፣ ደገፍቲ ህግደፍ ናይ ጓይላ ፌስቲቫል ኣብ ዘአንገድሉ ንፌስቲቫል ደው ከብሉ ብተቓወምቲ ብፍላይ ድማ ብብርጌድ ንሓመዱ ብዝተገብረሎም መጥቃዕቲ እዩ::

ማዕከን ዜና ሰቨን ኒውስ ሜልቦርን (7news melbourne) ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብቲ ግጭት ዝተኻየደሉ ኣዳራሽ ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ደገ ድማ ተቓወምቱ ከምዝነበሩ: ክልቲኦም ወገናት ብእምንን ጠራሙዝን ከምዝተሃራረሙ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝወረደ ጉድኣት 40 ሽሕ ዶላር ኣውስትራልያ ከምበጽሕ ሓቢራ::

ተቓላሲት ሰብኣዊ መሰላት ሰናይት ሃብተማርያምሓንቲ ካብቶም ተቓወምቲ ኮይና ኣዳራሽ ክዕጾ ተደጋጋሚ ጠለብ ኣቕሪቦም ጸማም እዝኒ ከምዝተዋህቦም: ተቓውሞ ዘካየድሉ ምኽንያት ድማ ግጭት ንምግባር ዘይኮነ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድምጾም ክህቡ ዝብል ዕላማ ከምዝነበረ ሓቢራ::

ማዕከን ዜና ሰቨን ኒውስ ኣብ ዘቕረበቶ ተንቀሳቓሲ ስእሊ(ቪድዮ) ደገፍቲ ህግደፍ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝገበርዎ ተመሳሳሊ ፌስቲቫል ህጻናት ወተሃደራዊ ክብሲ ወድዮም መጻወቲ ጠበናጁ ዓጢቖም የርኢ::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0