ከረን: ኣብ 1978 ብህዝባዊ ግንባር ናይ ዝተጨውዩ ዜጋታት መበል 45 ዓመት ዝኽሪ ይግበር

Radio Erena: Monday, 15 January 2024

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንከተማ ከረን ተቖጻጺርሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ክረምቲ 1978 16 ዜጋታት ተቐማጦ እታ ከተማ ጨውዩ ወሲዱ: 45 ዓመት ሓሊፉ ክሳብ ሎሚ ድሃዮምን ኣበይ ከምዝኣተዉን ዝፍለጥ ነገር የለን::

ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምሕራር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መጋቢት 1977 ከተማ ከረን ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሓሪራ: ዳግማይ ኣብ ሕዳር 1978 ብሰራዊት ደርግ ክሳብ ትተሓዝ ድማ ንዓመትን ሸመንተ ወርሕን ኣካል ሓራ መሬት ኤርትራ ኔራ::

ህዝባዊ ግንባር ነታ ከተማ ኣብ ዘመሓድረሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ዕለታት ክረምቲ 1978 – 16 ሰላማውያን ሰባት ጨውዩ ወሲድዎም::

እቶም ዜጋታት:- ተወልደ በይን: እድሪስ መሓመድ ዓብደላ(ቅጨት ሕኛ): እምባየ ገብሩ: ፍትዊ ተስፋዝጊ: ገብርሂወት ክንፈ: ዑቕባሚካኤል ኣስገዶም: ዑመር በኺት: ሓጎስ ማና: ወልደማርያም ቀላቲ: ዛይድ እድሪስ ናፍዕ: ገብረቃል ግሊኡ:መልኣከ በራኺ: ብርሃነ ሓጎስ: መሓመድ ዑመር: ነጋሽ ስብሓት: ጀማል እስሪስ ራድኣይ ዝብሃሉ እዮም::

እዞም ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ከተማ ከረን ዝሰርሑን ሰላማዊ ሂወቶም ዝመርሑን ከምዝነበሩን ካብ ኣባይቶምን ካልእ ቦታታትን በብሓደ ተለቒሞም ከምዝተወስዱን ስድርኦምን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ይሕብሩ::

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ስድራቤታቶም ቶም ደሃዮም ዝሃጠመ 16 ሰባት ሓበሬታ ክረኽቡ ትጽቢትኳ እንተነበሮምን ሕቶታት እንተቕረቡን ዛጊት ዝረኸብኦ ሓበሬታ የለን::

ናይዞም ብዘይ ክሲ: ፍርድን ርትዕን ዝጠፍኡ ዜጋታት መበል 45 ዓመት ንምዝካር መደባታ ብቋንቋ ብሌን እትፍኑ ራድዮብሊና ጃህራይዝመጽእ ቀዳም 20 ጥሪ ምስ ስድራቤትን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ከተዘራርብ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትፍኑ እያ::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0