ኢጋድን ዲፕሎማሰኛታት ኢትዮጵያን ነገራት ከተሃዳድኡ ይፍትኑ

Radio Erena: Monday, 15 January 2024

ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሳ ቢሂ ዓብዲ ድሕሪ ዝተበጽሓ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ውዕል ኣብ ሶማልያ ሓያል ስምዒት ፈጢሩ ኣሎ::

ካብ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ክሳብ ተራ ሶማላውያን ሰላማውያን ሰባት ስምምዕ ኢትዮጵያ ሶማሊላንድብትሪ ክቃወምዎ እንከለዉ ከም ምጥሓስ ልኡላውነት ሶማልያ ተራእዩ ንኲናት ዝደፋፍእ ረስንታት ይርአ ኣሎ::

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ድሕርቲ ስምምዕ ናብ ኤርትራን ግብጽን ድሕሪ ምብጽሑ ድማ ንኢትዮጵያ ስግኣት ፈጡሩ ኣሎ::

ተፈጢሩ ዘሎ ስግኣትንናይ ኲናት ስምዒታትን ንምህዳእ ኣብ ምትእኽኻብ ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (IGAD)ኢትዮጽያውያን ዲፕሎማሰኛታት ጻዕርታት የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ::

እቲ ብኽቱር ድሌት ኣፍደገ ባሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝለዓዓል ዘሎ ስምዒታት ከህድኡ ዝፍትኑ ዘለዉ ስሞም ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማሰኛታት ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነት ሃገር ኲናት ክትከፍት ድሌት ከምዘይብላ ብምህላጽ እዮም ኩነታት ክሃድእ ዝጽዕሩ ዘለዉ::

ኣቐዲሙ: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃመት ነገራት ክሃድእን ኣብመንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ሕድሕዳዊ ምክብባር ክህሉ ጸዊዑ ኔሩ::

ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ: ኣምሳያኡ ንዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘይብላ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክትህብ እዩ ስምምዕ ኣቢይ ኣሕመድን ሙሳ ቢሂ ዓብዲን::

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0