ኣኼባ ኢጋድ ኣብ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን

ኣኼባ ኢጋድ ኣብ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን

ንቅልውላው ደቡብ ሱዳን ክርኢ ዝተጸወዐ ህጹጽ ኣኼባ ኢጋድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዓርቢ ተጋቢኡ።
ኣብቲ ኣኼባ ንፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ወኪሉ ዝተሳተፈ ሓድሽ ምኽትሉ ደንግ ጋይ፣ ኢጋድ ናብ ከተማ ጁባ ዓቃብ ሰላም ክኣቱ ንዘውጸኦ ውሳኔ ከምዝተቐበሎ ኣፍሊጡ።

ውሳኔ ኢጋድ ብተወሳኺ፣ ሪክ ማቻር ናብ ቀዳማይ ምኽትል ፕረዚደንት ስልጣኑ ክምለስ ወሲኑ። 
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተማእከለ ኣኼባ ኢጋድ፣ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ደቡብ ሱዳን፣ ድሌት ህዝቦም ኣቐዲሞም ክሰርሑ ተላብዩ።
ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ንከኽትም ዝተኣመመ ዘተ ሰላም ዳግማይ ክቕጽልን ተግባራዊ ክኸውንን ብዓቢኡ ንሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ዝምልከት እኳ እንተኾነ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ እውን ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ከይወጸ ፍታሕ ክረክብ ከምዘለዎ ኣብቲ ኣኼባ ተዘትዩሉ።
ሪክ ማቻር ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንውሳኔ ኢጋድ ምሉእ ብምሉእ ከምዝቕበሎ፣ እንተኾነ ግን ፍሉይ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ክሳብ ዝቐውም ኣዋርሕ ስለዝወስድ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ነቲ ውሳኔ ከኽብሮ’ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባ፣ ናይ ዩጋንዳ የዎሪ ሙሰቨኒ፣ ናይ ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፣ ናይ ሱዳን ዑመር ኣልበሽር፣ ናይ ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ናይ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ፣ ናይ ጂቡቲ ኢስማዒል ዑመር ገለ ከምኡ’ውን ናይ ኣኣንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ክሳተፉ እንከለዉ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተሳቲፎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0