ኣብ ጎንደር ተጎሃሂሩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዝወሰደ ምላሽ ይህበሉ’ሎ

ኣብ ጎንደር ተጎሃሂሩ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዝወሰደ ምላሽ ይህበሉ’ሎ

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎንደር ተጎሃሂሩ ዘሎ ሓያል ሰላማዊ ሰልፊ፣ ሰራዊት መንግስቲ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ዝወሰደ ጎነጽ ዝተሓወሶ ምላሽ ይህበሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ዓለም ቃሎም ሂቦም።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ጎንደር ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፣ ትማሊ ቀዳም’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ካልኦት ኣርባዕተ ከምዝተቐትሉ ማዕከን ሓበሬታ ኣልጀዚራ ኣመልኪቱ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ንሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዉ ተፈሊጡ። ሰልፈኛታት፣ ‘ናጽነትና ንደሊ’ለና’ ‘ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ’ ዝብሉ ጭርሖታት ከምዘልዓሉ ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ከይካየድ ከምዝኣገደ ብዓርቢ ኣፍሊጡ’ዩ። እንተኾነ ህዝቢ ነቲ ትእዛዝ ነጺጉ ኣብ ጎደናታት ኣብ ዝወጻሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ብግፍዒ ሰላማውያን ሰባት ክጭፍጭፉ ከምዝተራእዩ ሮይተርስ የመልክት።
እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ሰሜን ጎንደርን ዝተጀመረ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ሓያሎ ንኣሽቱ ከተማታት ኢትዮጵያ ይልሕም ከምዘሎ ምንጭታት ይጠቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0