ጽባሕ ዓርቢ 5 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ኦሎምፒክ ፣ሪዮ-ብራዚል 2016፣ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 15 ኤርትራውያን ክሳተፉ’ዮም

ጽባሕ ዓርቢ 5 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ኦሎምፒክ ፣ሪዮ-ብራዚል 2016፣ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም 15 ኤርትራውያን ክሳተፉ’ዮም

Radio Erena: 04 August 2016

Rio

ጽባሕ ዓርቢ 5 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ውድድራት ኦሎምፒክ ፣ሪዮ-ብራዚል 2016፣ ሓንቲ ጓለንስተይቲ እትርከቦም15 ኤርትራውያን ክሳተፉ’ዮም።

ኣብዚ ክሳብ 21 ነሓሰ ዝቕጽል ኦሎምፒክ ሪዮ 2016፣ ብጠቕላላ 42 ውድድራት ክስራዕ እንከሎ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪን ብሽክለታን ጥራይ’ያ ክትሳተፍ።

 

በዚ መሰረት ኣብ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ቅድድም ጉያ እግሪ ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ጎይትኦም ክፍለ፣ ተኽለማርያም መድሕንን ንጉሰ ኣምሎሶምን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣትለታት ክሳተፉ እንከለዉ፣ ኣብ ናይ ማራቶን ከኣ ብተመሳሳሊ ግርማይ ገብረስላሰ፣ ኣማኑኤል መሰል፣ ክብሮም ገብረእዝግኣብሔርን ተወልደ እስጢፋኖስን ኣርባዕተ ኤርትራውያን ኣትለታት ክህልዉ’ዮም።

ኣብዚ ናይ ሪፕ ብራዚል ኦሎምፒክ 2016፣ እትሳተፍ ዘላ እንኮ ኤርትራዊት ጓለነስተይቲ ነብያት ሃብተማርያም ኮይና ኣብ ማራቶን ደቂንስትዮ’ዮ ክትወዳደር።

ኣብ ናይ5ሽሕ ሜትሮ ኣብራር ዑስማን፣ኣሮን ክፍለ፣ ህዝቕኤል ተወልደን ጸጋይ ጥዑማይን ኣርባዕተ ኣትሌታት፣ ኣብ ናይ 3 ሽሕ ሜትሮ ከኣ የማነ ሃይለስላሴ ንኤርትራ ወኪሎም ክወዳደሩ’ዮም።

ካብዞም 14 ኣትሌታት እቶም 3 ተጠባበቕቲ ክኾኑ እንከለዉ፣ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ንኤርትራ ወኪሉ ዝሳተፍ ዘሎ እንኮ ተቐዳዳማይ ከኣ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት’ዩ።

ኣብዚ ኣብ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 ኤርትራ ዝመበቖሎም መብራህቶም ክፍለዝጊ ንኣመሪካ ጸጋይ ተወልደ ከኣ ንብሪጣንያ ብምውካል ኣብ ቅድድም ጉያ እግሪ ማራቶን ክሳተፉ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ንኽልተ ቅነ ዝጸንሕ ውድድራት ኦሎምፒክ ሪዮ 2016 ኤርትራ እትርከበን 206 ሃገራት ኣብ 42 ኦኣይነታት ስፖርት ክወዳደራ’የን።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0