ኣንጎላ፣ ደቁ ናይቲ ን38 ዓመታት ዝመርሐ ዶ ሳንቶስ፣ ተወሳኺ ክስታት ብልሽውናን ይምስረተሎም

Radio Erena: 17 August 2020

ደቁ ናይቲ ንኣንጎላ ን38 ዓመታት ዝመርሐ ሆሴ ኢድዋርዶ ዶ ሳንቶስ፣ ተወሳኺ ክስታት ዝርገት ሃብቲ ሃገርን ብልሽውናን ከምዝተመስረተሎም ዝተፈላለዩ ምንጭታት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

ጆሰ ፊለመኖ ዝተባህለ ወዲ 42 ዓመት ወዱ ነቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስታት 500 ሚልዮም ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ንሓሙሽተ ዓመታት ክእሰር’ዩ ተፈሪዱ።

ኣብ ኣፍሪቃ ብሃብታ ቀዳማየቲ ጓለነስተዮ እናተባህለት እትጥቀስ፣ ኢዛቤል ዝስማ ጓል 47 ዓመት ጓሉ ድማ፣ ብሰሰንኪ ተደጋጋሚ ክስትታ ብልሽውና፣ ካብ ዝነበራ መዝነት ኩባንያ ኣገልግሎት ቴሌፍን ዩኒተል ከምዝወረደት ተገሊጹ።

ካብ 1979 ኣትሒዙ ክሳብ 2017 ንኣንጎላ ዝመርሐ ፕረዚደንት ዶ ሳንቶስ፣ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ደቁ፣ ንሃገራውያን ኩባንያታት ነዳዲ፣ ቴሌፎንን ካልኦትን ምስ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ምትእስሳር ዘለወን ትካላትን ከም ናይ ውልቆም ሃብቲ የመሓድርዎ ምንባሮም’ዮም ዝውቀሱ።

ብፍላይ እታ ኢዛቤል ዝተባህለት ጓሉ ነቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ነንዊሕ ዓመታት፣ ሓላፊት ፍርያት ነዳዲ እታ ሃገር ብምንባራ፣ ኣብ ናይ ውልቂ ሕሳባ 2 ቢልዮን ዶላር ብምኽዕባት ኣብ ኣፍሪቃ ዝሃብተም ጓለነስተይቲ ክትከውን በቒዓ’ያ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ፣ ዶ ሳንቶስ፣ ኣብ 2017 ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፣ ደቁን ናይ ቀረባ ቤተሰቡን ብምጥፍፋእ፣ ዝርገት ሃብቲ ሃገርን ብልሽውናን ክኽሰሱ’ዮም ተራእዮም።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንንዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሑ መራሕቲ፣ ደቆምን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን ኣብ ናይ ስልጣን ብልሽውናን ዝርገት ሃብቲ ሃገርን ክዋፈሩ ምርኣይ እዚ ናይ ኣንጎላ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0