ኤርትራ፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ከቢድ ዋሕዲ ሞያውያን መማህራን ንምትካእ፣ ኣብ ሳዋ ዝሰልጠኑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ክዋፈሩ’ዮም

Radio Erena: 17 August 2020

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ቀጻሊ ዋሕዚ ናብ ስደት ኣጋጢሙ ንዘሎ ከቢድ ዋሕዲ ሞያውያን መማህራን ንምትካእ፣ ኣብ ሳዋ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ምምህርና ክዋፈሩ’ዮም።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክጅምር ትጽቢት ኣብ ዝግብረሉ ዘሎ ዓመተ ትምህርቲ፣ ነቲ በብእዋኒ ከንቆልቁል ዝጸንሐ ዋሕዲ ሞያውያን መማህራን ንምምላእ፣ ኣብ ሳዋ ካብ ዝተመረቑ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ እቶም ዝበዝሑ ናብ ዞባታት ደቡብ፣ ዓንሰባን ጋሽ ባርካ ክምደቡ ምዃኖም’ዩ ተሓቢሩ።

እቶም ዝበዝሑ ኣብ ናይ መባእታን ማእከላይን ኣብያተ ትምህርቲ ዝምደቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ከምቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ሓያሎ ዙርያታት፣ ብዘይብቁዕ ሞያዊ ስልጠናን እኹል መተባብዒን ናብ ምምህርና ክዋፈሩ ብምዃኖም ኣብ ስርዓተ ምምሃርን ምስትምሃርን ኤርትራ ዝመጽእ ለውጢ ክህሉ ከምዘይክእል ይግመት።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንትምህርቲ ዝህቦ ድኹም ቆላሕታ፣ መጻኢ መማህራንን ተማሃሮን ኣብ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝሕጸር ብምግባሩ፣ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ዝኽዕነ ይኹን እዋን ንላዕሊ መሬት ወዲቑ ይርከብ።

ብሰንኩ ድማ ዓመታዊ ኣሽሓት ተማሃሮን ኣማኢት መማህራን ናብ ስደት ይውሕዙ ምስ ምህላዎም፣ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ክሰናኸላ ከምዝጸንሓ ተደጋጊሙ ዝተጠቕሰ’ዩ።

እዚ ናይ ዋሕዲ ብቑዓት ሞያውያን መማህራን ጸገም፣ ኣብ መባእታ፣ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ እተን ንኣስመራ ዩኒቨርስቲ ብምትኳእ ዝተመስረታ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝመሓደራ ከም ናይ ነፍሒ ዝኣመሰላ ይኹና ከም ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ’ውን ብርኡይ ጸልዩወን’ዩ።

ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራትን ከም ፊንላንድ ዝኣመሰሉ መንግስታትን፣ ትምህርቲ ኤርትራ ንምሕዋይ በብወገኖም ዝገብርዎ ዘለዎ ዓቕሚ መማህራን ናይ ምዕባይ ይኹን ተካእቲ ሞያውያን መማህራን ናይ ምፍራይ መስርሕ’ውን ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣጣሚሩ ሒዝዎ ዘሎ ፖሊሲ ትምህርቲ ፍረ ክርከቦ ከምዘይክኣለ’ዩ ዝግምገም።

ብሓገዝ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተላኢኾም ናይ ላዕለዋይ ትምህርቶም ዝተኻታተሉ ኣማኢት ኤርትራውያን፣ በብዝጥዕሞም መንገዲ ናብ ስደት ከምዘምርሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ እቶም ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝልኣኹ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ከይተርፉ ካብ ዝብል፣ እቲ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድላት ናብ ከም በዓል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቻይናን ህንዲን ከምዝሕጸር’ዩ ጌርዎ።

ካብዘን ሃገራት’ውን እንተኾነ፣ 10ታት ኤርትራውያን ትምህርቶም ድሕሪ ምዝዛም ኣብ ዝምለስሉ ዝነበሩ እዋን፣ ኣብ ከም ካይሮን ኢስታንቡልን ዝኣመሰላ ከተማታት፣ ኣብ ትራንዚት ድሕሪ ምትራፎም፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ተሰጋጊሮም ዑቕባ ከምዝሓተቱ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ’ያ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0