ደቡብ ሱዳን፣ ጠበናጁ ንምእካብ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ስርሒት ኣስታት 130 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 17 August 2020

ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ራፕ፣ ኣብ ህዝቢ ዝርከብ ጠበናጁ ኣብ ዝእክበሉ ዝነበረ እዋን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ኣስታት 130 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቶንጅ ጠበናጁ ንምእካብ ኣብ ዝወፈረሉ፣ መንእሰያት ተኣኪቦም ናዕቢ ድሕሪ ምልዓሎም እቲ ግጭት ከምዝተጎሃሃረ ዘመልከቱ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ፣ ካብ ወገን ህዝቢ ልዕሊ 82፣ ካብ ሰራዊት ድማ ኣስታት 45 ከምዝተቐትሉ ጠቒሶም።

ኣብ ካልእ ወገን፣ ዕጡቃት፣ ኣብ ዞባ ቦር፣ ማኮል ቹይ ኣብ እትርከብ ቤት ክርስትያን ተዓቝቡ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ህዝቢ ብዝኸፈትዎ ቶኽሲ፣ መራሒ እታ ቤተ ክርስትያን ዝርከቦም ብውሕዱ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቃት፣ ሓያሎ ቆልዑን ደቂንስትዮን ጂሆ ሒዞም ክኸዱ እንከለዉ፣ ነታ ቤት ክርስትያን ምስ ህዝባ ባርዕ ከምዝወልዑላ እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ደቡብ ሱዳን፣ ምስ ተቓወምቲ ብምልፋን፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ቆይሙ እኳ እንተሎ፣ ጸጥታ ናይ ልዕሊ 30 ዝኾና ዞባታት ከውሕስ ኣይከኣለን።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0