ኣብ ኤርትራ ተቐይዶም ዝጸንሑ 70 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ዓዶም ተፋንዮም

Radio Erena: Friday, 08 SEptember 2023

ኣብ ኤርትራ፣ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ተቐይዶም ዝጸንሑ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ናብ ዓዶም ከምዝተፋነዉ፣ ኣገልግሎት ዜና ቻይና -ሺንሁዋ ካብ ዓደን ሓቢሩ።

ሺንሁዋ፣ ስሙ ንዘይረቑሖ በዓል ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ እቶም የመናውያን፣ ኣብ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ተታሕዙ፣ ንሓደ ወርሒ ተኣሲሮምን ንብረቶም ተሃጊሩን’ዮም ብ05 መስከረም፣ ብመንገዲ ወደብ ሖደይዳ ናብ ዓዶም ተመሊሶም።

ካልኦት 43 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ሰበ ስልጣን የመን ይወቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ኣብ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳ እናገፈፉ፣ በብእዋኑ ብኤርትራ ናይ ዝተታሕዙ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ካብ 2017 ንደሃር ጥራይ ኣስታት 1500 ከምዝበጽሕ’ዩ ዝግለጽ።

የመን፣ ብኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ተደጋጋሚ ምእሳር ዜጋታታ ናብ ዘይተደልየ ረጽሚ ከምርሕ ከምዝኽእል ኣብ ዝሓለፍ ቅንያት ምጥንቃቓ ኣይርሳዕን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0