ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ህግደፍ፣ 26 ኣባላት ፖሊስ ቆሲሎም

Radio Erena: Sunday, 09 July 2023

ኣብ ጀርመን ከተማ ጊሰን ኣብ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ህግደፍ፣ 26 ኣባላት ፖሊስ ምቑሳሎም ተገሊጹ።

ፖሊስ ጀርመን፣ ኣንጻር እቲ ፌስቲቫል ሰልፊ ንዘካይዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ናብቲ ፌስቲቫል ዝካየደሉ ኣዳራሽ ከይቐርቡን ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ከይጋጨውን ኣብ ዝዓግትሉ ዝነበሩ እዋን’ዩ እቶም ኣባላት ፖሊስ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ፖሊስ’ታ ከተማ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብቲ ብቀዳም 8 ሓምለ ንሰዓታት ዝተኻየደ ግጭት፣ ፈስቲቫል ህግደፍ ደው ክብል ዝጠልቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ኣእማን ደርብዮም ክብል ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ ዝተኻየደ ጎንጺ ኣብ ማእከላይ ከተማ ጊሰን ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ክብል እንከሎ፣ ብውሑዱ 100 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም መግለጺ ፖሊስ’ታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ምምሕዳር ከተማ ጊሰን፣ እቲ ፌስቲቫል ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ናዕቢን ጎነጽን ከየለዓዕል ብምስጋእ፣ ብሰንኪ ውሕስነት ጸጥታ ከይካከይድ ሰሪዝዎ’ዩ ጸኒሑ።
እንተኾነ ብቤት ፍርዲ ከተማ ጊሰንን ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ጀርመንን ፍቓድ ተዋሂብዎ ዘሎ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ፣ በቲ ዝተመደበሉ ዕለት ማለት ንቀዳም 08ን ሰንበት 09ን ክካየድ ተወሲኑ።

ሰበስልጣን ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፣ ‘ኣብ ልዕሊ ኣኽበርቲ ጸጥታ መጥቃዕቲ ምውራድ ቅቡል ኣይኮነን፣ ኤርትራውያን ከኣ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጉዳይ፣ ኣብ መሬት ጀርመን ክፈትሕዎ ከምዘይክእሉ ንኤምባሲ ኤርትራ ክንገሮ ኣለዎ’ ክብሉ፣ መንግስቲ ጀርመን ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገር ክዘራረብ ጸዊዖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0