ኢትዮጵያ፤ ራብዓይ ደረጃ ምምላእ ማይ ዲጋ ህዳሴ ከምእትቕጽል፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣፍሊጡ

Radio Erena: Sunday, 09 July 2023
ኢትዮጵያ ራብዓይ ደረጃ ምምላእ ማይ ዲጋ ህዳሴ ኣብ እተፍልጠሉ ዘላ እዋን፣ ምስ ሱዳንን ግብጽን ዝተጀመረ ዝርርብ ክቕጽል ትጽቢት ከምዘለዎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብይ ኣሕመድ ብሓሙስ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምምላእ ማይ ዲጋ ህዳሴ ክሳብ ወርሒ መስከረም 2023 ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ንሱ ብተወሳኺ፣ እቲ ምዕቋር ማይ ንግብጽን ሱዳንን ብዘይሃስይ መንገዲ ይካየድ ምህላዉ ብድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ መንጎ’ዘን ሰለስተ ሃገራት ጀሚሩ ዝተቛረጸ ዘተ ክቕጽል ትጽቢት ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ግብጻውያን ክኢላታት ስነ መሬት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ትንታነ፣ ኣብዚ ራብዓይ መድረኽ ዝዓቁር ማይ፣ ንልዕሊ 1 ሚልዮን ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ግብጺ፣ ከድርቕ ተኽእሎ ከምዘለዎ ኣሚቶም።
ካብ ሓደ ሚልዮን ሄክታር መሬት ዝፈርይ እኽሊ፣ ኣታዊኡ ክሳብ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ይኽእል ዝብሉ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ብወገኖም፣ መንግስቲ ግብጺ ህዝቡ ናብ ጥሜት እንዳምረሐ ሱቕ ኢሉ ክዕዘብ የብሉን ክብሉ መረረኦም የስምዑ ኣለዉ።
ብራብዓይ ደረጃ ምምላእ ዲጋ ህዳሴ ዝደርቕ ክፋል መሬት ግብጺ፣ ከምቲ ኣብ 1981ን 1987ን ዝተራእየ ደርቂ ከስዕብ ከምዝኽእል፣ ፕሮፈሰር ሃብቲ ማይ ዓባስ ሻራኪ ካብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ይገልጽ።
ኢትዮጵያ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክትጥቀመሉ መዲባ ዘላ ዓቐን ማይ፣ ንሓረስቶት ሱዳንን ግብጽን ብዘይጎድእ መንገዲ ዝተዳለወ’ዩ ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ምግላጹ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0