መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምስ ናይጀርያዊ ኩባንያ ሰሜንቶ ዳንጎተ ናይ ኣስታት 100 ሚልዮን ዕዳ ተለዋዊጡ

Radio Erena: Monday, 10 July 2023

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጀርያ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ተዓጊትዎ ዝጸንሐ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር፡ ምስቲ ኣብ ተመስሳሊ ጸገም ገንዘቡ ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ዳንጎተ ስሚንቶ ዝተባህለ ናይጀርያዊ ትካል ወፍሪ ብምልውዋጥ ዕድኦም ከም ዘደቓቐሱ ተሓቢሩ።

ፒፕልስ ጋዜት ብሰንበት 09 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ባንክታት ናይጀርያ ተታሒዝዎ ዝጸንሐ ገንዘብ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ጸገም ገጢምዎ ዝነበረ ዳንጎተ ስሚንቶ ብምቅያር እዩ ዕድኡ ከደቓቕስ ክኢሉ።

ኣብ ናይጀርያ ዝዓበየ ናይ ወጻኢ ሃገር መንገዲ ኣየር ምዃኑ ዝንገረሉ፣ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ካብ መሸጣ ትኬት ክረኽቦ ዝግብኦ ኣታዊታት፡ ብሰንኪ ኣብተን ሃገራት ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡ ሕሳባቱ ናብ ካዝንኡ ከሰጋግር ከምዘይክኣለ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዘገም ወዲቑ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ’ውን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከባ ዝተፈላለያ መንገድታት ኣየር፣ ካብ ሽያጥ ትኬት ዝኣከበኦ ኣስታት 100 ሚልዮን ዶላር ብዝቐልጠፈ ክኸፍል፣ ዓለምለኻዊ በዓል መዚ በረራታት፣ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዘጠንቐቑ ይዝከር።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኣቕራቢ ፍርያት ስሚንቶ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ብ’ኣሊኮ ዳንጎተ’ ዝተባህለ ናይጀርያዊ በዓል ጸጋ ዝውነን ‘ዳንጎተ ዘሜንቶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ን 25 ዓመታት ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ክይኑ፣ ኣብ ፍርያት ሰሜንቶ እት እታ ሃገር ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበረ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ኩባንያ፡ ልክዕ ከም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፡መኽሰባቱ ናብ ካዝንኡ ከሰጋግር፣ ባንክታት ኢትዮጵያ ዓጊተንኡ ምጽንሐን ይሕበር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0