ኣብ ዶብ ፈረንሳን ኢጣልያን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓጊቶም ምህላዎም ተሓቢሩ

ኣብ ዶብ ፈረንሳን ኢጣልያን ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓጊቶም ምህላዎም ተሓቢሩ

Radio Erena: 19 February 2018

Vigntmille

ኣብ ዶብ ፈረንሳን ኢጣልያን፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 600 ስደተኛታት ተዓጊቶም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

ፖሊስ ፈረንሳ ነቶም ኣብ ንእሽቶ ከተማ ቫንትሚልያ ናይ ኢጣልያ ተዓጊቶም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ናብ ፈረንሳ ከይሰግሩ ኣብ ርእሲ ምኽልካል፣ ናይ ምስጋር ዕድል እንተረኺቦም’ውን ናብ ኢጣልያ ብምምላስ፣ ዑቕባ ክሓቱ የገድድዎም ከምዘለዉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ብዘይኣላዩ ዝመጹ10ታት ቆልዑ፣ ኣዴታትን ነፍሰ ጾራትን ዝርከብዎም ስደተኛታት፣ ኢጣልያ ሓደስቲ ስደተኛታት እትገብሮ ማሕበራዊ ሓገዛት ስለዘየለ፣ ናብ ፈረንሳ ወይ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ከምዝደልዩ’ዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ፣ ፈረንሳን ኢጣልያ ብዝገበርኦ ክልትኣዊ ስምምዕ፣ ዶባተን ንስደተኛታት ዕጽው ጌረን ብምህላወን፣ ኣብዛ ከተማ ግዳያት ፖሊስ እዘን ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ድልድል ቴንዳታት ብዝምርጋሕ ይነብሩ ከምዘለዉ እቶም ተጣበቕቲ ይወቕሱ።

ኣብቲ ዶባት ዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ፣ ኣብ መኪናታቶም እናሓብኡን ብኻልእ መንገዲ እናመርሑን ንሓያሎ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ የስግርዎም እዃ እንተለዉ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ይኸሶምን ከቢድ ዕዳ የሰክሞም ብምህላዉ፣ ኣብ ከተማ ቫንቲሚልያ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ይርከብ።

መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ማርቲን ላንድሪ ዝንተባህለት ጓል 73 ዓመት ገባሪት ሰናይ፣ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ብምስግጋራ ከሲሱዋ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን ሰድሪክ ንዝተባህለ ሄሩ ንዝተባህለ ሓረስታይ ብተመሳሳሊ ክሲ ከምዝኣሰሮ ኣይርሳዕን።

ኣብ 2017 ልዕሊ 100 ሽሕ ስደተኛታት ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዘቕረቡ ዝገልጽ መንግስትትቲ ፈረንሳ፣ ነቶም ኣስታት 24 ሽሕ ጥራይ’ዩ እወታዊ ምላሽ ሂቡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብዘውጽኦ ሓድሽ ፖሊስ መሰረት ድማ፣ ፈረንሳ ብዝሒ ናይ ኣትቕበሎም ስደተኛታት ክቕነስ ስለዘለዎ፣ እታ ዶባታ ንስደተኛታት ክትዓጹ ኣዚዙ ኣሎ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0