ፖሊስ ሱዳን፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዋ ኣብ 9 መካይን ዝተጻዕና ልዕሊ 300 ኣባጊዕ ከምዝሓዘ ይገልጽ

ፖሊስ ሱዳን፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዋ ኣብ 9 መካይን ዝተጻዕና ልዕሊ 300 ኣባጊዕ ከምዝሓዘ ይገልጽ

Radio Erena: 19 February 2018

Sheep Kassala

ፖሊስ ሱዳን፣ ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዋ 373 ኣባጊዕ ከምዝሓዘ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን (SUNA) ገሊጹ።

እተን ኣብ ትሽዓተ ዓበይቲ መካይን ተጻዒነን፣ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝተታሕዛ ኣባጊዕ፣ ሕጋዊ ቅጥዒ ናይ ሕክምና ዘየማልኣ ኣብ ርእሲ ምዃነን፣ ንሕርሻ እንስሳ ሱዳን ሓደገኛ ክኾና ይኽእላ’የን ክብል ምምሕዳር እቲ ዞባ ገሊጹ።

ነተን ኣባጊዕ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ከሰጋግሩ ዝተታሕዙ ክልተ ሱዳናውያንን ቁጽሮም ዘይተገልጸ ኤርትራውያን ከምዘለዉ’ውን እቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ገሊጹ ኣሎ።

ብዛዕባ ምትሓዝ እዘን መንግስቲ ሱዳን “ካብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተዋ” ዝበለን ኣባጊዕ ብዝምልከት መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ልሙድ ዝኾነ ምላሽ ኣይሃበሉን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብዶባት ኤርትራ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንቁጠባ ሱዳን ይሃስዮ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ’ዩ።

 =================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0