“ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ መውሃቢ ክኸውን ኣለዎ፣”  ቤት ፍርዲ እስራኤል

“ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ መውሃቢ ክኸውን ኣለዎ፣” ቤት ፍርዲ እስራኤል

Radio Erena: 18 February 2018

holotኣብ ኤርትራ ዝካየድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕባ መውሃቢ ክኸውን ከምዝግባእ፣ ቤት ፍርዲ እስራኤል ወሲኑ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል ኣካል ዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ዝኾነ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቕ ማሕበር ብዝቐረበ ጉዳይ ኣብ ዝወዓሎ መጋባእያ፣ ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ እስራኤል ዑቕባ ክረኽቡ መሰል ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ እስራኤል ካብ ዝመጽእ ወርሒ ሚያዝያ ስደተኛ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥረዝ ወይ ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎን ብዝብል ዘውጸኦ ሕጊ መሰረት፣ እቲ ናይ መምልኢ ቅጥዒ ገና ይዕድል’ኳ እንተሎ፣ ልዕሊ ፍርቂ ካብዞም ኤርትራውያን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝነበሩ ስለዝኾኑ፣ ብውሑዱ ነቲ መስርሕ ምጥራዝ ከደናጉዮ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ ሰበስልጣን እስራኤል ንውሳኔ’ዚ ቤት ፍርዲ ስዒቡ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ፣ ብወለንትኦም ናብ ኤርትራ ዝተመለሱ ስደተኛታት ከምዘለዉ፣ ክልተ ሚእታዊት ካብ ኣታዊኦም እንተኸፊሎም ከኣ ወላሓንቲ ጸገም የብሎምን ብምባል፣ ብመሰረት ውዕል ጀኔቫ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቑዕ ምኽንያት ኣይከውንን’ዩ ኣብ ዝብል ውሳኔ’ዮም ጸኒዖም ዘለዉ።

ተጣበቕቲ መሰላት እስራኤል ብወገኖም፣ እዚ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ከም ዓቢ ዓወት ከምዝርእዩዎ፣ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ከኣ ዓቢ ፍታሕ ከምዝኸውን ይገልጹ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል 15 ሽሕ ናይ ዑቕባ ሕቶ ቀሪቡሉ ክነሱ፣ ናይ 6500 ጥራይ እዩ ርእዩ። ካብኦም ከኣ ንዓሰርተ ኤርትራውያንን ሓደ ሱዳናዊን ጥራይ መሰል ዑቕባ ከምዝሃበ መዛግብቲ’ታ ሃገር የመልክቱ።

እዚ ብዩኒቨርሲቲ ተልኣቪቭ ቀሪቡ ብቤት ፍርዲ’ታ ሃገር ተቐባልነት ረኺቡ ዘሎ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናይ ዑቕባ መሰልን ግብራዊ እንተኾይኑ፣ ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ተቐባልነት ክረኽቡ ምዃኖም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እስራኤል ይገልጹ።

ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ባርነት ብዝመሳሰል ኣተሓሕዛ’ዩ ዘካዪዶ ብምባል ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከም ቅቡል ናይ ዑቕባ መሰል እየን ክርእዮኦ ጸኒሐን።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0