ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሕማም ኮሌራ የስፋሕፍሕ

Radio Erena: Friday, 30 July 2023

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ኢትዮጵያ፤ ሕማም ኮሌራ ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።
WHO ብዓርቢ 28 ሓምለ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ከምዝጀመረ ዝገለጾ ሕማም ኮሌራ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ 42 ንኡሳን ዞባታት ኣስፋሕፊሑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ክሳብ ሕጂ ተኻዪዱ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት፤ ልዕሊ 4 ሽሕ ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ምህላዎም ተፈሊጡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ክሰርሕ ጀሚሩ ምህላዉ ይገልጽ። ኣብ መጀመሪያ ናይዚ ወርሒ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድን ዘስዓቦ ምምዝባል ህዝብን፤ ኣብ ህዝቢ ተላባዒ ሕማማት ክረአ ምዃኑ፤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ እዩ።
ሓያሎ ትካላት ግብረ ሰናይ ኣብቲ ዞባ ተዋፊረን ከምዘለዋ ዝገልጽ ውድብ ጥዕና ዓለም፤ ንሓካይም ተክኒካዊ ስልጠና ምሃብ፤ ኣተኣላልያ ሕሙማት ኮሌራን ዝኣመሰሉን ደገፍ ይገብር ምህላዉ ሓቢሩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0