ሱዳን፣ ከተማ ካርቱም ብሓሙስ 27 ሓምለ ብድምጺ ከቢድ ብረትን ሮኬታትን ተናዊጻ ውዒላ

Radio Erena: Friday,28 July 2023

ህዝቢ ከተማ ካርቱም፣ ብሓሙስ 27 ሓምለ ብድምጺ ከቢድ ብረትን ሮኬታትን ተናዊጹ ከምዝወዓለ፣ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ኣብቲ ዕለት’ቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካርቱም ከምዘካየደ ገሊጹ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዝነበራ ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ክዓንዋ እንከለዋ፣ ናይ ኣጽዋር መኽዘናት እውን ከምዘቃጸለ እቲ ሰራዊት ምልሻ ገሊጹ።

ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሓያሎ ወተሃደራት እውን ከምዝሞቱ፣ ምልሻ ፈጣን ሓይልታት ክገልጽ እንከሎ፣ ብወገን ወተሃደራዊ መንግስቲ ዛጊት ዝተዋህበ ዝኾነ መግለጺ የለን።

ብካልእ ወገን፣ ኣብታ ሃገር ብህዝቢ ዝለዓለ ተቐባልነት ዝጸንሖ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ምስ ምልሻታት ሓምዳን ዳግሎ ወጊኑ ንዝብል ክሲ፣ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።

ኣብ መፈለምታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ሰሙን፣ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ያሲር ዓጣ፣ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ምስ ሓምዳን ዳግሎ ምትእስሳር ኣለዎ ኢሉ ኔሩ።

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ኣብ መግለጺኡ፣ መደረ ናይቲ ኣዛዚ ሰራዊት ምድንጋር ንምፍጣር ዝዓለመ፣ መሰረት ዘይብሉ ጠቐነ’ዩ ብምባል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ወተሃደራውያን ሓይልታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት፣ ካብ መፈለምታ ኣትሒዙ ከምዝኮነኖ ኣዘኻኺሩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0