ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ናይ ው.ሕ.ሃ ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ናይ ው.ሕ.ሃ ሄሊኮፕተር ተሓምሺሻ

Radio Erena: 28 August, 2014

UN holico

ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ሰብኣዊ ንጥፈታት እተግልግል ዝነበረት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሄሊኮፕተር ወዲቓ፣ ብምሕምሻሻ ሰለስተ ኣባላታ ሞይቶም።

ጠንቒ ምውዳቕ፣ እታ ሄሊኮፕተር ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እንተኾነ እታ፣ ሄሊኮፕተር ዝወደቐትሉ ኣብዝቲ ጽዑጹዕ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ዞባ ዩኒቲ ዝርከብ ከባቢ ከተማ በንቲዩ ብምዃኑ፣ ብዝተተኮሰላ ሮኬት ተሃሪማ ክትከውን ከምእትኽእል ይግለጽ።

ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ ኣቐዲሞም ናብቲ ንሳቶም ዝቖጻጸርዎ ከባቢታት ዝኾነት ነፋሪት ከይትረበርር ከጠንቕቑ

ብምጽንሖም፣ እታ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሄሊኮፕተር ብተቓወምቲ’ያ ተሃሪማ ዝብል መደምደምታ ይወሃቦ እኳ እንተሎ፣ ኣፈኛ ተቓወምቲ ግና፣ መርትዖ ክሳብ ዘይተረኽበ፣ እቲ ዝቐረብ ዘሎ መደምደምታ ሓሶት’ዩ ክብል ነጺግዎ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0