ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ጋናን ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ንምእንጋድ ጠለብ ኣቕሪበን

ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ጋናን ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ንምእንጋድ ጠለብ ኣቕሪበን

Radio Erena: 28 August, 2014

2017 Cup of nations

ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ጋናን ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ከእንግዳ ከምዝደልያ ኣፍሊጠን።

ኣብ 1962, 1968 ከምኡ ድማ 1976 ሰለስተ እዋናት፣ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ዘእንገደት ኢትዮጵያ፣ ነዚ ናይ 2017 ንምእንጋድ ዓቕሚ ከምዘሎ ብምግላጽ፣ ጠለባ ኣቕሪባ ኣላ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ክልተ ድሉው ስታድዮም ከምዘለዋ ንቢቢሲ ዝገለጸ ፕረዚደንት ፈርደረሽ እታ ሃገር ጁነዲን ባሻ፣ ዝህነጽ ዘሎ ተወሳኺ ስታድዮም ንምቕልጣፍን ኣድላዩ ምድላዋት ንምክያድ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅሩብ ከምዘሎ ጠቒሱ።

 

ነዚ ናይ 2017 ዋንጫ ኣፍሪቃ ከተእንግድ ከምእትደሊ ዝገለጸት ኬንያ’ውን፣ ከም ኣማራጺ ድማ እቲ ዋንጫ ዓለም ምስ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ርዋንዳ ብልፍንቲ ምእንጋድ ከምዝክኣል’ውን ሓሳብ ኣቕሪባ።

ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምእንጋድ ድሉዋት ዝኾና ሃገራት ኣብ ሊስታ ሕጹያት ንኽኣትዋ፣ ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ ከፍልጣ ብኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍርቃ ድሕሪ ዝወጸ ናይ መወዳእታ ምልክታ፣ ጋና ዋንጫ ኣፍሪቃ ብመንገዲ ሚኒስተር ስፖርት ኣቢላ ኣብ ዘርግሓቶ ሓበሬታ’ውን ንኢትዮጵያን ኬንያን ተጸንቢራተን ኣላ።

ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ከተእንግድ ዝነበራ ሊብያ፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ነቲ መደብ ድሕሪ ምስራዛ’ዩ፣ እዘን ሰለስተ ሃገራት ንምእንጋዱ ጠለብ ኣቕሪበን ዘለዋ።

16 ሃገራውያን ጋንታታ ኣፍሪቃን ደገፍተንን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2017 ንምእንጋድ ጠለባት ካብ ዝቀረባ ሕጹያት ሃገራት፣ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ ኣግሪ ኣፍሪቃ፣ ንሊብያ ንምትካእ ዝመረጻ ሃገር ኣብ 2015 ከፍልጥ’ዩ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0