ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፣ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብን መድሃኒታትን ይሽየጥ ምህላዉ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ

ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፣ ጥዕንኡ ዘይተረጋገጸ መግብን መድሃኒታትን ይሽየጥ ምህላዉ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 27 August, 2014

Asmara street market

ኣብ ሓያሎ ጎደናታት ኣስመራ፣ ጥዕንኡን ብቕዓቱን ዘየተረገጋጸ መግብን መድሃኒታትን ክሽየጥ ይርአ ምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ከም ዘይቲ፣ ጸባ፣ ብሽኮቲ፣ ጽሟቕ…ወዘተ ዝኣመለሰ ደረጅኡን ብቕዓቱን ዘይተረጋገጸ ዕሹግ መግብታት ኣብ ጎደናታት ክሽየጥ ካብ ዝጅምር ዓመታት ኣሕሊፉ እኳ እንተሎ፣ ከም ፓራሲታሎምን ካልኦት ዓይነታት ጥዕንኦም ዘይተረጋገጸ መድሃኒታትን ኣብ ጎደና ክሽየጡ ግና ሕጂ’ዩ ዝቐላቐል ዘሎ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓያሎ ጎረባብቲ ሃገራት ብምንጽጻር፣ ኣብ ምቁጽጻር ደረጃን ብቕዓትን መድሃኒታት ዝሓሸ ኣተሓሕዛ እኳ እንተጸንሖ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ግና ከቢድ ዋሕዲ መድሃኒታት ከጋጥም ስለዝጀመረ፣ ካብ ሱዳንን ካልእ ሃገራትን ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ መድሃኒታት ኣብ ጎደናታት ክሽየጥ ጀሚሩ ምህላዉ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዝገልጽ።

ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ከም ኣዜል ዝኣመሰላ ፋብሪካታት መድሃኒት፣ ህዝቢ ብብዝሒ ዝግልገለሎም ከም ናይ ቃንዛ መድሃኒታት ብብዝሒ ከየፍርያ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ቀመማት ንምሽማት ዘለወን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ’ውን ዓቢ ጸገም ፈጢሩለን ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ጀነሬተራት ዝጥቐማ ትካላት’ውን እንተኾና፣ እኹል ናፍታ ክረኽባ ከምዘይክኣላ’የን ዝገልጻ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ማእከል ሽቑ፣ ዕዳጋ ሓሙስ፣ ምውፋር ኣውቶቡስ፣ ኣባሻውል፣ ዕዳጋ ዓርቢን ካልእ ከባቢታትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ጎደናታት ናይ ዝሽየጥ ነገራት ልዕሊ ዝኾነ ካልእ እዋን ዛይዱ ከምዘሎ’ዩ ዝንገር።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0