ኣብ የመን ዝመደበሩ ኣልቓዒዳ፣ ናይቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብወግዒ ሓለፍነት ወሲዱ

ኣብ የመን ዝመደበሩ ኣልቓዒዳ፣ ናይቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብወግዒ ሓለፍነት ወሲዱ

Radio Erena: 15 January 2015

alqyem

ኣብ የመን ዝመደበሩ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ናይቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ነቲ 12 ሰባት ዝቀተለ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓንቲ ጋዜጣ ዝተፈጸመ ከምዝተፈጸመ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ነቲ ትእዛዝ ብቐጥታ ካብ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣልቃዒዳ ዝኾነ ኣይመን ኣልዛዋሂሪ ከምዝተዋህቦ ገሊጹ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ናይ ዓረብ መበቖል ዘለዎም ክልተ ፈረንሳውያን ኣሕዋት፣ ኣብ የመን ወትሃደራዊ ስልጠና ከምዝወሰዱ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ኣቐዲሙ ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።

 

ፈረንሳ ነቲ ከም ምግሃስ ሉኣላውነታ ዝገለጸቶ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ እንታይ ዓይነት ግብ መልሲ ክትህበሉ ምዃና ካቢነ ሚኒስተራት ህጹጽ ኣኼባታት ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ ኣብ የመን ዝመደበሩ ኣልቓዒዳ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዝወስድ ብወግዒ ዝገልጽ ዘሎ።

ካብ የመን 28 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ወደብ ጅቡቲ፣ ገዚፍ ወትሃደራዊ መዓስከር ዘለዋ ፈረንሳ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ የመን ዝመደበሩ ጉጅለ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስርሒታት ከተካይድ ተኽእሎ ከምዘሎ’ውን ሓያሎ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ናይጀርያ ዝካየድ ዘሎ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ንመንግስቲ እታ ሃገር ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ተሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣርባዕተ ዝኸውን ሽበራዊ መጥቃዕታት ክካየድ እንከሎ ብውሕዱ 32 ሰባት’ውን ተቀቲሎም ኣለዉ።

ናይጀርያ ነቲ ካብ ቁጽጽራ ወጻኢ እናኽዕነ ዝከይድ ዘሎ ብቦኮ ሓራም ዝፍለጥ ጥሩፋት ጉጅለታት ዝፍጸም ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምቁጽጻሩ፣ ፈረንሳ ካብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ሓገዝ ትሓትት ምህላዋ ይግለጽ ኣሎ።

ማሕበረ ሰብ ዓለም፣ ኣቱክሮኡ ናብቲ ናይ ፓሪስ መጥቃዕቲ ጥራይ ብምድሃቡ፣ ኣብ ናይጀርያ ዝተኻየደ ተደጋጋሚ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከምቲ ዝግባእ ቆላሕታን ሸፈነን ከይተዋህቦ’ዩ ሓሊፉ።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0