ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሓዊ ተቓጺሉ

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሓዊ ተቓጺሉ

Radio Erena: 15 January 2015

emb

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ከተማ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ ሎሚ ንግሆ ብሓዊ ከምዝተቓጸለ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ጠንቂ’ቲ ባርዕ ብወግዒ’ኳ እንተዘይተሓበረ፣ ሓደ ኣባል’ቲ ኤምባሲ ሻሂ ከፍልሕ ነቲ ሓዊ ረሲዑዎ ከይዱ ዝብል ወረታት ብብዝሒ ይንገር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኮነ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ’ዚ ኣብቲ ኤምባሲ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ሓዊ፣ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ወይ’ውን ንዝዓነወ ንብረት ብዝምልከት ዝሃብዎ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ገለ ክፋል ናይቲ ኤንባሲ፣ ቤትጽሕፈት ማሕበረኮምን ቤትጽሕፈት ህግደፍን ምልኡ ብሙሉእ ዓንዩ ከምዘሎ ግና ናይ ዕእይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ኤምብሲ ቅድሚ ክልተ ዓመት’ውን ተመሳሳሊ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር።

ሬድዮ ኤረና ነዚ ኩነታት ተኸታቲላ እዋናዊ ሓበሬታ ከተቕርብ ምዃና ትገልጽ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0