ብተደጋጋሚ መጸዋዕታ ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ ኣቦታት፣ ሎሚ ሮቡዕ 15 ጥሪ ክወርዱ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም

ብተደጋጋሚ መጸዋዕታ ናብ ታዕሊም ዘይወረዱ ኣቦታት፣ ሎሚ ሮቡዕ 15 ጥሪ ክወርዱ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም

Radio Erena: 15 January 2015

tra

ንሰኑይ 12 ጥሪ ናብ ታዕሊም ክብገሱ ዝተነግሮም ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ዝፍለጡ ኣቦታት፣ መብዛሕቶም ክብገሱ ብዘይምኽኣሎም፣ ሓያሎ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ንሎሚ ሮቡዕ 15 ጥሪ ክብገሱ ምስ ከቢድ መጠንቐቕታ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ምምሕዳራት ተለጢፉ ዘሎ መጠንቐቕታ፣ እቶም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝተነግሮም ኣቦታት ሎሚ ሮቡዕ ናይ መወዳእታ እንተዘይወሪዶም ኣብ ልዕሊኦም ዝውሰድ ስጉምቲ ምምሕዳር ይኹን እዚ ብርጌድ ተሓታቲ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ምምሕዳራት ‘ኣገዳሲ ምልክታ’ ብዝብል ኣርእስትን ማሕተምን ብ12 ጥሪ 2015 ዝዘርግሖ መጠንቐቕታ ሬድዮ ኤረና ክትረኽቦ ክኢላ ኣላ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ካብ 40 ክሳብ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወርዱ ክገብሮ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ጻውዒታት፣ ተቐባልነት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ክሰጋገር ጸኒሑ’ዩ።

ኣቦታት፣ ስድራቤታቶምን ናብርኦምን ብምርሕራሕ ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዘገድድ ዘሎ ምኽንያት ንህዝቢ ክበርሃሉ ብዘይምኽኣሉ፣ ብኣመሓደርቲ ዞባታትን ሓለፍቲ ህግደፍን ኣብ ዝካየደ ዘሎ ጽዑቕ ሰሚናራት’ውን ብቐጻሊ ዝሓተሉ ዘሎ’ዩ።

እቶም ድሮ ናብ ታዕሊም ዝወረዱ ብረት ዝዓጠቑ ኣቦታት፣ ማይላም ኣብ ዝተባህለ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታ ማእቶትን ወትሃደራዊ ታዕሊምን ምክያድ ጀሚሮም ምህላዎም’ውን ኣቐዲሙ ዝበጽሓና ሓብሬታ የረጋግጽ።
================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0