ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ኣስመራ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ይቕጽል

ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ኣስመራ ዝጸንሐ ጸገም ዝስተ ማይ ይቕጽል

Radio Erena: 21 September 2017

asmerraዝበዝሐ ከባቢታት ኣስመራ ዝጸንሖ ጸገም ዝስተ ማይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተፈትሐ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ኣብዚ ክራማት፣ ጸጸኒሑ ክሃርም ዝጸንሐ ዝናብ፣ ንህዝቢ ግዝያዊ ሩፍታ ፈጢርሉ እኳ እንተጸንሐ፣ ክራማት እናተዛዘመ ኣብዝኸደሉ ግና፣ ፊስቶታት ከም ቀደሙ ኣብ ሪጋ ተሰሪዑ ክውዕል ይርኣ ምህላዉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም። 

መንግስቲ፣ ምዕሩይ ዝርግሐ ቀረብን ኣገልግሎታትን ንምትእትታው ኣብ ከተማ ጥራይ ዘይኮነ ንርሑቕ ገጠራት ዝጠመተ መደባት ልምዓት የተግብር ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን እቲ መንግስቲ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ዓበይቲ ገንእታት ማይ ብምቛም፣ ነቲ ሻምብቖ ማይ ዘይጸንሖ ከባቢታት ሓድሽ መስመራት ብምዝርጋሕ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምክፍፋል ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝሕብር።

 እንተኾነ፣ ኣቐዲሙ መስመራት ሻምብቖ ማይ ንዘይነበሮ ክፋላት ሓደስቲ መስመር ክዝርግሕስ ይትረፍ፣ ንነዊሕ ዓመታት ብመስመራት ሻምብቖ ማይ ዝግልገል ዝነበረ ሰፊሕ ክፋላት ኣስመራ’ውን ነቲ ዝነበረ ስኢንዎ ከምዘሎ ሓያሎ ይማጎቱ።

ሰፊሕ ከባቢታት ኣስመራ ብስእነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ተጸጊምሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንሓንቲ ፊስቶ ማይ ብ50 ናቕፋ ካብ ቦጣት ንምርካብ ፊስቶታቱ ኣብ ግዳም ሰሪዑ ይውዕል ምህላዉ’ዮም እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ዘመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0